ኣብዚ ኮሮናቫይረስ እናስፋሕፈሐን ሰባት እናቐሰፈ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘይብሎም ካብ ቻይና ዝመጹ ኩሎም ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ገሊጹ።
ከም ኣካል ጽኑዕ ናይ ዶብ ምክትታል ስጉምቲ፡ ኩሎም ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ተገሊሎም ክጸንሑ ክግደዱ እዮም።
"ኣብዝኾነ ሰዓት ካብ ሓደ ለካቲት ኣትሒዙ ካብ መሬት ቻይና እንተመጺእኩም፡ ን 14 መዓልታት ተፈሊኹም ክትጸንሑ ክግበር'ዩ።" ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሪፖርተራት ኣብ ካንቤራ ገሊጽሎም።
"ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ዘይኮኑ ናይ ኣውስትራሊያ መንበሪ ዘይብሎም፡ ሕጋዊ ኣለይቲ ወይ ሰብ ቃልኪዳን ዝኾኑ ኩሎም ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ።"
ሚስተር ሞሪሶን ከምዝገለጾ ኣብዚ ሃገር ዝርከቡ ናይ ክፍለግዝኣታት ሓለፍቲ ጥዕና ሎሚ ንግሆ ከምተራኸበን እቲ ቫይረስ ከይላባዕ ጽኑዕ ስጉምቲታት ክውሰድ ከምዝጅምር ከምዝገለጸሎም ኣፍሊጡ።
"እቶም ሓለፍቲ ጥዕና ደፓርትመንት ወጻእን ንግዲን (DFAT ) ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ናብ ደረጃ 4 ከደይቦ ሓቲቶም ኣለዉ፥ እዚ ማለት ናብ ቀንዲ መሬት ቻይና ጉዕዞ ከይግበር ዝእግድ እዩ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ድማ ነዚ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።" ክብል Mr Morrison ንሪፖርተራት ገሊጹ።
"ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ካብ ቀንዲ መሬት ቻይና ዝመጹ (ዛጊት እቲ ክልከላ ካብ ክፍለ ሃገር ሁቢ ጥራይ እዩ ጸኒሑ) ካብታ መዓልቲ ካብ ቻይና ዝመጹላ ን14 መዓልታት ተገሊሎም ክጸንሑ ክግበር እዩ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ መገዲ ኣየር ኳንታስ ናብ ቻይና ዝገብሮ ክልተ ናይ ቀጥታ በረራታት ደዉ ኣቢልዎ ኣሎ እዚ ድማ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብወግ ዒ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ካብዚ በረራታት ንዝመጹ ዝኸውን ተወሳኺ ሓደ ሚሊዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (masks) ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣውስትራሊያ ከምዝቐርብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
መዐቀኒ ሙቐት (Thermometers)ንሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዕደልውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ዛጊት 10 ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዉድብ ጥዕና ዓለም እዚ ቫይረስ ህጹጽ ሓደጋ ጥ ዕና ህዝቢ ከምዝ ኣወጀን ኣውስትራሊያ ን ክሪስማስ ኣይላንድን ንመግለሊ ሰባት ድሉው ድሕሪ ምግባራን አዩ።
ዛጊት ኣብ ቻይና በዚ ሕማም ልዕሊ 250 ህዝቢ ከምዝሞቱን ኣስታት12,000 ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።