ሎሚ ቪክቶሪያ 394 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉን 17 ዝሞቱን ብምርካቦም፡ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝበዝሐ ሞት ዝተመዝገበሉ መዓልቲ ኮይኑ።
ካብቶም ዝሞቱ፡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓምሳታት ዕድመ፡ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሰብዓታት ዕድመ፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሰማንያታት፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ተስዓታት ዕድመ ዝርከቡ እዮም።
ዓሰርተ ካብቶም ሎሚ ዝሞቱ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።
ኣብታ ክፍለ ግዝ ኣት ብኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ እቶም, 634 ቪክቶሪያዊያን ኣብ ሆስፒታል፡ እቶም 43 ካብ ኣቶም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡ እዮም። ካብዞም ተለኺፎም ዘለዉ እቶም እቲ ቫይረስ ዘለዎም እቶም 994 ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እዮም።
ኣብ ቪክቶሪያ በቲ ቫይረስ ካብ ተለኽፉ እቶም 2,700 ምንጮም ዘይተፈልጡ እዮም።
"ኣብ ገሊኡ ኩነነታት ካብቶም ዉሑዳት ግና ምንጮም ካብዘይፍለጥ፡ ብዙሓት ግና ምንጮም ዝፍለጥ ይሓይሽ።" ብምባል ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሰንበት ዝተመዝገበ ቁጽሪ ምስቲ ናይ ቀዳም ዝተመዝገበ 466 ካብቲ ብዓርቢ 450 ከምኡውን ኣብ 471 ብሓሙስ ከምኡ'ውን ኣብ ረቡዕ ዝተመዝገበ 725 ብዝሒ መልከፍቲ ዝተሓተ እዩ።
ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ጽኑዕ ናይ ደረጃ 4 ዕጽዋ ንሰሙን እንተጸንሑ'ኳ፡ ዉጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ድሕሪ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ዝርአ ክኸውን እዩ።
ፖሊስ ቪክቶሪያ ንሕግታት ዕጽዋ ደረጃ 4 ብምጥሓሶም 

Police are seen in front of Flinders Street Station during a 8PM-5AM curfew in Melbourne, Saturday, August 8, 2020. Source: AAP
ጸገም ጥዕና ኣእምሮ
ብሰንበት መንግስቲ ቪክቶሪያ ኣብ እዋን ለበዳ ን ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ዝውዕል ብሰንበት ናይ $59.7 ሚልዮን ባጀት መዲቡ ኣሎ።
ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣጋጢምዎም ገዛእ ርእሶም ዝጎድኡ ካብቲ ናይዝሓለፈ ዓመት ብ 9.5 ሚእታዊ ዝያዳ ናብ ናይ ቪክቶሪያ ህጹጽ ረዲኤት ሓገዝ ተሓቲቱ። ካብቶም ትሕቲ 18 ዓመቶም ገዛእ ርእሶም ከጥፍኡ ዝፍትኑ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 33 ሚእታዊ ዝያዳ ረዲኤት ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ።
- ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
- ነበርቲ ከተማ መልበርን (ሜትሮፖሊታን መልበርን) ኣብ ትሕቲ ቀይድታት ደረጃ 4 ኣትዮም ስለዝርከቡ በቲ ወጺኡ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ/ሕላፍ ሰዓት ካብ 8 ደ. ቀ. ክሳብ 5 ቅ. ቀ. ክምእዘዙ ኣለዎም። ምሉእ ዝርዝር እቶም ቀይድታት ኣብ'ዚ ይርከብ፡
- ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ኣብ ገዛኹም ጽንሑን ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉን።
- ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም