እዚ ኣፕ ንምታይ ተደልዩ/ተሰሪሑ፧
እዚ ኣፕ ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባትን ምስኦም ዝተራኸቡ/ዝቐረቡ ካልኦትን ንምክትታሎም ከመሓይሽ ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ሞባይል ቴሌፎን ዝተኸዘነ ሓበሬታ/ዳታ፡ ሓንሳብ ናብ ሰብ መዚ ጥዕና ምስ በጽሐ፡ ምስ ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ ብቐረባ ዝተራኸቡ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ፈሊኻ ንምፍላጥ ከኽእል’ዩ።
እዚ ርክባት/ምቅርራባት ዝምዝገብ እቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ 1.5 ሜ ርሕቀት ምስ ካልእ ነቲ ኣፕ ከፊትዎ ዘሎ ሰብ ምስ ዝቐርብን እዚ ምቅርራቦም ከኣ ብውሑዱ 15 ደቒቕ ምስ ዝጸንሕን’ዩ።
ኣብ’ዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ምምዝጋብ ብወለንታ ወይ ብድሌት እዩ። መንግስቲ ኩሎም ነበርቲ ኣውስትራልያ ነዚ ኣፕ ኣብ ሞባይሎም ክጽዕንዎ ይመክር፡ ምኽንያቱ ዝያዳ ኣውስትራልያውያን ኣብ’ዚ ኣፕ ምስ ዝምዝገቡ ምክትታል ቫይረስ ኸኣ ዝቐልጠፈ ይኸውን።
ሰብ መዚ ብኽመይ እዮም ነዚ ሓበሬታ ኮቪድሰይፍ ክጥቀምሉ፧
እዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ዝተፈጥረ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብኢድ ዝስራሕ ዘሎ መስርሕ ደሊኻ ምርካብ’ቶም ምስ ሓደ ኮቪድ-19 ዘለዎ ብቐረባ ዝተራኸቡ ሰባት ንምቅልጣፍ’ዩ። እዚ መስርሕ ነቶም ከይተፈለጠና ናብ ስድራ፡ መሓዙትን ካልኦት ሰባትን ኣብ ማሕበረሰብ ዝህልው ዕድላት ምምሕልላፍ'ዚ ቫይረስ ክቕንሶም እዩ።
ሓለፍቲ ጥዕና ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ንሓበሬታ ናይ’ዚ ኣፕ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ምስ ዝልከፍን እቲ ኣብ ሞባይሉ ዘሎ ሓበሬታ ክጸዓን ምስ ዝሰማማዕን ጥራይ እዩ። ሓለፍቲ ጥዕና ነቲ ኣብ’ቲ ኣፕ ዘሎ ሓበሬታ ዝጥቀምሉ መን ክውሸብ ወይ ክምርመር የድልዮ ኣብ ምሕባር ንምሕጋዝ ጥራይ እዩ።
እንታይ ውልቃዊ ሓበሬታ ኢኹም ብመንገዲ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ትካፈሉ፧
ተጠቀምቲ ነዚ ኣፕ ክጽዕንዎ እንከለው፡ ስሞም፡ ቁጽሪ ሞባይሎምን ፖስትኮድ ዝነብርሉ ከባቢን ይህቡ፡ ኣበየናይ ከባቢ ዕድመ ምዃኖም ከኣ ይመርጹ። ድሕሪኡ መስርሕ ምጽዓን (ኢንስቶለይሽን) ክፍጽምዎ ሓደ መረጋገጺ ኤስኤምኤስ ናይ ጽሑፍ/ቴክስት መልእኽቲ ይቕበሉ። ቀጺሉ እቲ ሲስተም ሓደ ፍሉይ ብምስጢራዊ ኣጸሓሕፋ ዝሰፈረ (encrypted) መወከሲ ኮድ ይፈጥር።
ኮቪድሰይፍ ካልኦት ኮቪድሰይፍ ኣፕ ዝተጻዕኖምን ብሉቱዝ ዝተወልዓሎም/ዝተኸፍተሎምን መሳርሒታት ኣለልዩ ይፈልጥ/ይረክብ። እቲ ኣፕ ካልእ ተጠቃሚ ኣብ ከባቢኡ ከም ዘሎ ደልዩ ምስ ረኸበ፡ ዕለት፡ ግዜ፡ ርሕቀትን ንውሓት ግዜ ጥቕኡ ዝጸንሓሉን፡ ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ካልእ ተጠቃሚ መወከሲ ኮድ የለልን ይምዝግብን። ኮቪድሰይፍ ኣፕ ሓበሬታ ናይ’ቲ ተጠቃሚ ዘለዎ ቦታ ክእክብ ኣይግብኦን’ዩ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ እዚ ሓበሬታ ብምስጢራዊ ኣጸሓሕፋ ዝተቐመጠ እዩ፡ እቲ ነዚ ስቱር/ምስጢራዊ መልእኽቲ ዘለሊ ኸኣ ኣብ ቴሌፎን ናይ ተጠቃሚ ብስቱር ተቐሚጡ ኣሎ ይብል። ኣብ ሞባይል ናይ’ቶም ተጠቀምቲ ዝተኣከበ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ነብሲ ወከፍ 21 መዓልታት ዝዘውር ግዜ ይስረዝ። እዚ ግዜ ኮቪድ-19 ኣብ ነብሲ ኣትዩ ምልክታት ክሳብ ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜን ንኽትምርመር ዝወስዶ ግዜን ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ።
ተጠቃሚ ናይ’ዚ ኣፕ ኮቪድ-19 ከምዘለዎ ምስ ዝረጋገጽ እንታይ ይኸውን?
ሓደ ሰብ ኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ምስ ዝረጋገጽ፡ እቲ ስቱር/ምስጢራዊ ውልቃዊ ሓበሬታ ካብ’ቲ ኣፕ ናብ ሓደ ውሑስ ዝኾነ ሓበሬታ ዝቕመጠሉ ስርዓት ይጸዓን፡ እዚ ብፈቓድ ተጠቃሚ ይኸውን። እቶም ሓለፍቲ ጥዕና ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ከኣ ስዒቦም፡
- በቲ ኣፕ ዝተዋህለሉ ሓበሬታት ብዛዕባ ሰባት ወይ ርክባት ናብ’ቲ ቀጻሊ ምክክትታል ርክባት ኮሮናቫይረስ መታን ክሕግዞም ይጥቀምሉ።
- ንሰባት ደዊሎም ንዕኦም ወይ ንወለዶም/ኣለይቶም ናብ’ቲ ቫይረስ ተቓሊዖም ከይኮኑ የፍልጥዎም።
- እቲ ዝቕጽል ክወስድዎ ዘለዎም ስጉምቲ እንታይ ምዃኑ መምርሒ ይህብዎም፡ ንኣብነት፡
- እንታይ ክዕዘቡ ወይ ከስተውዕሉ ኣለዎም
- መዓስ፡ ብኸመይን ኣበይን ክምርመሩ ኣለዎም
- ንመሓዙትን ስድራን ናብ'ቲ ቫይረስ ከይቃልዑ ንምሕላው እንታይ ክገብሩ ኣለዎም
- ሓለፍቲ ጥዕና እቲ ዝተለኽፈ ሰብ መን ምዃኑ ስሙ ኣይረቑሑን እዮም።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም፡ ምትእኽኻባት ከኣ ምስ ስድራኹም ወይ ቤተሰብኩም እንተዘይሃሊኹም ናብ ክልተ ሰባት ጥራይ ተደሪቶም ኣለው።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍና ኢልኩም ትኣምኑ እንተኾንኩም ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ (ብኣካል ኣይትኺዱ) ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮና ቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ። ከተተንፍሱ ትጽገሙ እንተሃሊኹም ወይ ከኣ ህጹጽ ዝኾነ ጸገም ጥዕና እንተጋጢምኩም/እንተተሰሚዕኩም 000 ደውሉ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም ።