ኣውስትራልያ ኣትያ አላ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ወርሒ ሰነ ርብዒ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶት (GDP) ብሸውዓተ ካብ ሚእቲ ድሕሪ ምውራዱን ኣብ መዝገብ ዝለዓለ ምጭባጥ ድሕሪ ምምዝጋቡን’ዩ።
እዚ ኣሉታዊ ዕቤት ዝመጽእ ዘሎ ናይ ወርሒ መጋቢት ርብዒ ዓመታዊ እቶት ብ0.3 ምውራዱ ተኸቲሉ’ዩ፡ እዞም ናይ ቀረባ ግዜ ኣሃዛት ምሉእ ጽልዋ ምዕጻው ቁጠባ ብሰንኪ ቀዳማይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተው’ዮም።
“እቲ ክብረወሰን ኮይኑ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 28 ዓመታት ተኸታታሊ ዕቤት ቁጠባ ከም ሃገር ሕጂ ብወግዒ ኣብቂዑ ኣሎ፡” ኢሉ ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ ትሬዠረር ጆሽ ፍራይደንበርግ።
“ናይ ሎሚ ዘጉህዩ ቁጽርታት ነቲ ኩሉ ኣውስትራልያዊ ዝፈልጦ ዘረጋግጹ’ዮም - ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህይወትናን ቁጠባናን ፈጺምና ተሞኪርናዮ ዘይንፈልጥ ኮቪድ-19 ዕንወት ከምዘውረደልና’ዩ።
እቶምቀንዲቁጽርታትእንታይእዮም፧
እቲ ቀንዲ ኣሃዝ ሓፈሻዊ ዕቤት GDP ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ማለት ኣብ ፈለማ ጥሪ-መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ናብ ኣሉታዊ ጠርዚ ዝወረደ እዩ።
እቲ - 7% ዝኾነ ርብዒ ዓመታዊ ዕቤት ወርሒ ሰነ መዝገብ ምሓዝ ካብ ዝጅመር እቲ ዝኸፍአ’ዩ፡ ናይ’ቲ ዝዓበየ ምኹምታር ኣብ 1974 ዝነበረ 2% ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዓቢ’ዩ።
እዚ ምኹምታር ብዓቢኡ ንታሕቲ ዝተደፍአ በቶም ብ12.1% ዝቐነሱ ስድራቤታዊ ሸመተታት ወይ ከኣ ወጻኢታት’ዩ።

Australian Treasurer Josh Frydenberg outlines international GDP growth in June. Source: AAP
ብቐንዱ፡ እዞም ርብዒ ዓመታዊ ኣሃዛት ጽልዋ ናይ’ቲ ኩሉ ኣድላዪ ዘይኮነ ንግዳዊ ዋኒናት ኣብ ከተማ መልበርን ክዕጾ ዝገበረ ብመንግስቲ ቪክቶርያ ኣብ መልበርን ዝተነብረ ደረጃ ኣርባዕተ ቀይድታት ኣየካትቱን ኢዮም።
ብመንጽር ካልእ ዓለም ከ ኣውስትራልያ ከመይ ትኸይድ ኣላ፧
እቶም ኣሉታዊ ኣሃዛት መጠነ ዕቤት ብዘየገድስ ኣውስትራልያ ምስ ካልእ ዓለም ብምንጽጻር ብተዛማዲ ዝሓሸ ትኸይድ ኣላ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራት ክትነጻጸር እንከላ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰነ ርብዒ-ዓመት ጥቡቕ ምዕጻው (Strict Lockdown) ዘተግበረት፡ ቁጠባዊ GDP ብ20.4% ጎዲሉ፡ ነታ ሃገር ከኣ ናብ ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ዝሕታለታት ኣብ ዝኾነ ሓያል ግሎባዊ/ዓለማዊ ቁጠባ ደፊእዋ።
GDP ብልዕሊ 9% ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክጎድል እንከሎ ጀርመንን ካናዳን ከኣ ተመሳሳሊ ዝሕታለ ኣመዝጊበን።
ስኮት ሃስለም ዋና ክኢላ ወፍሪ ኣብ ክረስቶን ዌልዝ ማናጅመንት (Crestone Wealth Management) ኣብ ሲድኒ እዩ።
ንሱ ንኤስቢኤስ ኒውስ: ቁጠባ ኣውስትራልያ ዓለም ዝቐንኣሉ ዝኾነሉ ዓቢይ ምኽንያት እቲ ለበዳ ክጅምር እንከሎ ካብ ፈለምኡ ኣብ ዝደልደለ ፊስካላዊ ኩነታት ስለዝነበረ እዩ፡ ክብል ሓቢሩ።
“30 ዓመት ኮይኑ ኣሎ ካብ’ቲ ናይ መወዳእታ ዝሕታለ ቁጠባ፡ እዚ ማለት ከኣ ንርዱእ ምኽንያታት ጽቡቕ ተሞክሮ ከነሕልፍ ጸኒሕና ማለት’ዩ፡ ጽቡቕ ፊስካላዊ ኩነታት ኣለና፡” ኢሉ።
“ንሕና ካብ ካልኦት ቦታታት ዓለም ብዝበዝሐን ብዝቐልጠፈን መበራበሪ ወይ መተባብዒ (Stimulus) ክንገብር ክኢልና ኢና።
“ኩሉ እዚ ናብ ቅልጡፍ ምዕጻው ኩሉ ነገራት ብምምራሕ ናብ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ተሞክሮ ኮቪድ-19 ንኣውስትራልያ ኣምሪሑ’ዩ።”
ክውገድ ምኸኣለ ዶ ኔሩ፧
ጆን ሆውኪንስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበረሰብን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ካንቤራ እዩ። ንሱ ነዚ ዝሕታለ ቁጠባ ከወግድ መንግስቲ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ ብዙሕ ነገር የለን ይብል።
“ክውገደሉ ዝኽእል ዋላ ሓደ መንገዲ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ናይ ወርሒ መጋቢት ርብዒ ዓመት ብዙሕ ክግበር ዝከኣል የለን። መንግስቲ ሓደ ዓቢይ መተባብዒ ወይ መበራበሪ ጥማር ሓገዝ ኣዊጁ፡ ምናልባት ሕጂ ምልስ ኢልካ ክትርእዮ እንከለኻ ቁሩብ ክቕልጥፍ ኔርዎ፡ ግን እዚ ርብዒ-ዓመት ንዓና እቲ ዝደኸመ ክኸውን ምዃኑ ዘይተርፍ’ዩ ኔሩ ኢለ ይሓስብ።” ክብል ሓቢሩ።
“ብሓባር ምትእኽኻብ ከይከልከልካ ወይ ከይዓጸኻ ቁሩብ ዝሓሸ ውጽኢት ንርብዒ ዓመት ወርሒ መጋቢት ምሃለወና ኔሩ፡ ግን ከኣ ብዙሓት ዝሓሙ ምሃለውና ኔሮም፡ ዝበኣሰ ውጽኢት ኣብ’ቶም ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ሰነን መስከረምን ከኣ ምረኣና ኔርና፡” ክብል ወሲኹ።

International students line up outside Melbourne Town Hall for food vouchers. Source: Getty Images AsiaPac
እዚ ዝሕታለ ቁጠባ ንዓኹም እንታይ ማለት’ዩ፧
ሚስተር ሆውኪንስ ይብል ዝሕታለ ቁጠባ ወይ ሪሰሽን (Recession) ክግለጽ እንከሎ ከም’ዚ ‘ጎረቤትካ ስርሑ ክስእን እንከሎ’ ማለት እዩ ይብል። ዲፕረሽን (Depression) ዝበሃል ከኣ ይብል፡ ንስኻ’ውን ስራሕካ ክትስእን እንከለኻ’ዩ።
“ገለ ሰባት ሰዓታቶም ይጎድልን ስርሖም ይስእኑን፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝፍጠር ዘሎ ጽልዋ እዩ፡” ይብል።
“ወሰኽ ደሞዝ’ውን ብጣዕሚ ዝሕቱል ክኸውን’ዩ፡ ዝሰርሑ ሰባት ንምርካብ ውድድር ስለዘየለ ንነዊሕ እዋን ወሰኽ ደሞዝ ክህሉ ዝገብር ዝኾነ ዓይነት ጸቕጢ ኣይክንርእን ኢና።”
ሚስተር ሃስለም ኣብ’ዚ ይሰማማዕ። “ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ሪሰሽን ዝያዳ ብዙሓት ሽቕለተ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ይፈልጥ ወይ ይርኢ፡” ይብል ንሱ።
“እቲ ማእከላይ ንብሎ ሰብ ዝስምዖ ዘሎ እዚ እዩ ኢልካ ኣነጺርካ ክትፈልጦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፣ ገለ ሰባት ስራሕ ዘይብሎምን ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ዘለዎምን ክኾኑ እዮም፡ ካልኦት ሰባት ከኣ ምናልባት ከም’ቲ ኣብ እዋን ሪሰሽን ክንዕዘቦ ንኽእል መጠን ኣይስምዖምን።”
እዚ ዝሕታለ ቁጠባ ክንደይ ዝኣክል እዋን ክጸንሕ እዩ፧
ሚስተር ሃስለም እዚ ሪሰሽን ኣብ ትሕቲ ኣዝዮም ፍሉያት ኩነታት ዘሎ ብምዃኑ (ምዕጻው ሃገር ንምክልኻል ህጹጽ ኩነታት ህዝባዊ ጥዕና) ከም’ቶም ካልኦት ዝሕታለታት ቁጠባ ንነዊሕ እዋን ኣይክጸንሕን እዩ ማለት’ዩ ይብል።
“እዚ ከም’ቲ ኣብ 1991 ዝሓለፍናዮ ወይ ከኣ ዓለም ኣብ 2008ን 2009ን ዝሓለፈቶ ፋይናንሳዊ ሪሰሽን (Financial Recession) ኣይኮነን፡ እዚ ብምኽንያት ምዕጻው ወይ ደው ምባል ንጥፈታት እዩ፡ ገለ ምልክታት ምምሕያሽ ኣብ ምሽማት ወይ ምፍሳስ ገንዘብ ኣህለኽቲ ድሮ ንዕዘብ ኣለና፡” ኢሉ።
“ስለ’ዚ እዚ ዓሚቕ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኣናዮ ዝዓሞቐ እዩ፡ ግን ኣነ ምናልባት ካብ ካልኦት ዝሕታለታት ቁጠባ ብዝቐልጠፈ ኣብ መወዳእታ ዳሕርይ መፋርቕ ናይ’ዚ ዓመት ክንወጽእ ኢና ኢለ ይሓስብ።”
ሚስተር ሆውኪንስ ብተወሳኺ ገለ ጽላታት ቁጠባ - ከም በዓል ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲን - ክሳብ ክንደይ ቀልጢፎም ይምለሱ ወይ ይሓውዩ እቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ነዚ ቫይረስ ከመይ ይምክቶን ዶባት ሃገራት መዓስ ቀልጢፎም ይኽፈቱን ኣብ ዝብሉ ይምርኮሱ ይብል።
- ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
- መርመራ ኮሮናቫይረስ ሕጂ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ተቐሪቡ ኣሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
- ፈደራል መንግስቲ ዘበገሶ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ዝከታተል ኣፕ ኮቪድሰይፍ (COVIDSafe) ንኽትጽዕንዎ ኣብ ኣፕስቶር ናይ ሞባይልኩም ተቐሪቡ ኣሎ።
- ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረስባት ኣውስትራልያ ምዕባለታት ኮቪድ-19 እናተኸታተለ ሓበሬታ የቕርብ። ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም ።