ኣውስትራሊያ ትሕቲ 100 ሰብ ጥራይ ብኮቪድ ሞይቶማ፣ እዚ ኩነታ ብምንታይ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተፈልየ ኮይኑ?

ኣብ ኣውስትራሊያ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ትሕቲ 100 ሰባት ሞይቶም። እንተኾነ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዓለም ብኸቢድ ዝተሃስያ ኣለዋ። ኣብ ኣውስትራሊያ ንምንታይ ትሑት መጠን ሞት ከምተራእየ SBS News ንሰብ ሞያ ጥዕና ሓቲቱ ዝረኸቦ እዚ ዝስዕብ እዩ።

A gravedigger in Italy

A gravedigger in Italy, where more than 30,000 people have died from COVID-19. Source: AAP

ናይ ሓንቲ ሃገር መጠን ሞት ዝልካዕ ኣብታ ሃገር  ቁጽሪ ምውታት ምስብዝሒ እቲ ህዝቢ ብምንጽጻር እዩ።

ምስ ለበዳ  ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ ግና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ።

ናይ ኣውስትራሊያ ኩነታት ኣስታት 1.3 ሚእታዊ እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ፈረንሳ ክረአከሎ ትሑት እዩ። ኣብ ፈረንሳ ካብቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ 18 ሚእታዊ ሞይቶም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣውስትራሊያ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 100 በዚ ቫይረስ ዝልከፉ ተመዝግብ ኔራ። ኣብዚ እዋን እዚ ቁጽሪ ናብ ትሕቲ 10 ዝወረደ ኮይኑ ኣብ ገሊ ኡ ክፍለግዝ ኣታት ንመዓልታት ሓደ ሰብውን ከይተለኽፈ ዝሓልፈሉ ኩነታት ተበጺሑ ኣሎ።

ካብቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተለኽፉ 6,900ሰባት ትሕቲ 100 እዮም ብኮቪድ-19 ሞይቶም።

ንምንታይ እዩ ግን መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዚዩ ትሑት ኮይኑ? 

ዶ/ር ቶኒ ብላክልይ ኣብ መልበርን ዝርከብ ኮለጅ ህዝቢን ግሎባዊ ጥዕናን ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማማትን ህዝባዊ ጥዕናን እዩ። ጅኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ጽኑዕ መሪሕነታን ኣውስትራሊያ  ትሑት መጠን ሞት ክትርእይ ኣኽኢልዋ ይብል።

"እዚ ጽቡቕ እዩ። ከምሓቂ ኣስታት 100 ሞይቶም ምባል ጽቡቕ ኣይኮነን እንተኾነ ነዚ ንምርዳእ ነቲ ኩነታት ዘርዚርካ ክትርእዮ ኣለካ" ክብል ን SBS News ገሊጹ።
Roadmap to COVIDsafe Australia
Prime Minister Scott Morrison talks to NSW Premier Gladys Berejiklian at the National Cabinet. Source: AAP
"ንሕና ኣብዚ ሃገር ምህላውና ዕድለኛታት ኢና፡ ካብ ቻይና ዝውሕዙ ህዝቢ ክንዓጹ ኔሩና፡ እዚ ኣገዳሲ  እዩ ኔሩ።

"መደብ ኣውጺእና ከነተግብር ግዜ ረኺብና  ኢና፡ ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዚላንድን ጽቡቕ መሪሕነት ድማ ረኺብና።"

ንምንታይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ሞት ተኸሲቱ?

ኪኢላታት ጥዕና ከምዝብልዎ፡ ከም መደብ መርመራ ምግባር፥ ዓቕሚን ምፍጣን ግብረ መልሲ ሃገራት፣ ብዝሒ ዓበይቲ ሰባት፣ ጥንካረ ስርዓተ ጥዕና ናይ ሓንቲ ሃገር ካብቶም ረቖሒታት ንቁጽሪ ሞት እዮም።

ከም ኣውስትራሊያ፡ ሲንጋፖርን ታይዋንን ኣብ ፈለማ ምኽሳት ናይቲ ለበዳ እየን ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲደን።

 ቀልጢፉ እቲ ለበዳ ናብ መላእ ዓለም ከይዝርጋሕ፡ እዘን ሃገራት ዝገበራኦ ቅልጡፍን ምድላዋትን ኣብዚ እዋን ንዘሎ ትሑት ሞት ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ንዓበይቲ ዝኸውን ንህዝበን ንምሕላው ብቑዕ ኣሰራርሓ የብለንን።  

ሓደ ካብቲ ግሪክ ብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኮቪድ ትውደሰሉ ምኽንያት ነቶም ዓበይታ ምክንኻናን ምሕላዋን እዩ።

ግሪክ ጥቓ እተን ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሞትወን ን ኣብነት እታ ልዕሊ  30,000 ዝሞትዋን ጥልያን ትጎራበት እንተኾነትኳ  151 ሰባት ጥራይ እዮም ብኮቪድ-19 ሞይቶማ።

ኣብ ኣመሪካ 230 ህዝቢ ካብ ሓደ ሚልዮን ዜጋታታ ብኮቪድ-19 ሞይቶማ፡ እዚ 6 ሚእታዊ መጠን ሞት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
US President Donald Trump speaks during the daily briefing on the novel coronavirus, COVID-19, in the Brady Briefing Room at the White House on March 27, 2020, in Washington, DC
US President Donald Trump speaks during the daily briefing on the novel coronavirus, COVID-19, in the Brady Briefing Room at the White House Source: AFP
"ኣዚዩ ድልዱልን ነንሕድሕዱ ዝተሓባበር መሪሕነት እዩ ዘለና," ክብል ፕሮፌሰር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኩርቲን ዝኾነ ኣርቼ ክለመንትስ፣ ይገልጽ

ነቲ ለበዳ ብሃገር ደረጃ ንኽምራሕ መንግስቲ ሃገራዊ ካቢኔ ብምቛም ፖለቲካዊ ፍልልይ ይሃሉ ብዘየገድስ ንኹሉ ብሓንሳብ ክሰርሕ ጌሩ እዩ። 

"በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ገለ ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ወዲቖም። ሕጽረት ምትሕብባር፡ ግሉጽ መንግስቲን ነቲ ዝግበር ግብረ መልሲ ፖለቲካዊ መልክዕ ምትሓዝን።"

ፕሮፌሰር ካትሪን በነት ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ተመሓላልፍቲ  ትመርሕን ኣባል ናይቲ ኣብ ኣውስትራሊያን ኣብ ዓለምን ዘሎ ሓበሬታ መጠን ሞት ዘጽንዕ ኣባልን እያ።

ንሳ ከምትብሎ: "ከምቲ  ናይ ስፐይን፣ ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተራእየ ኩነታት ከጋጥምከሎ፡ ነቲ ስርዓተ ጥዕና ልዕሊ ዓቕሙ ይኸውን እሞ ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ዝግባእ ክንክን ይስእን።" 

"ኣብተን ቀረባት ክንክን ጥዕና  ልዕሊ ዓቕመን ኮይኑ ዝተመናነሀን ሕሙማት ክድሕኑ ከቢድ እዩ።"

እዚ ዝወሃብ ሓበሬታ ግና ሓቀኛ ድዩ?

ፕሮፌሶር ባኔት ከምትብሎ፡ ኩሎም ምኽንያት ሞት ቅኑዓት ብምዃኖም ነዚ ቅልውላው ንምዕቃን ዝበለጸ ሓቀኛ መገዲዮም። ናይ ኣውስትራሊያ ዓመታዊ ኣሃዝ ካብቲ ኣብዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝተራእየ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

"ብቐጥታ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ተፈሊጡ እዩ። ከምት ኣብ ካልኦት ዘሎ ኣብዚ በዚ ዝሞተ ከምልጠና ኣይከኣለን። እንተኾነ ብሰንኪ ኮቪስ ተወሳኺ ቁጽሪ ሞት ክንር ኢ ንኽእል ኢና።

"ስለዚ እቲ ዝተጻረየ መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብቲ ናይ ካልእ ዓመታት ዝተፈልየ ከምዘይከውን ኢና ንጽበ። ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ግና ብሰንኪ ኮቪድ-19 ልዕሊቲ ንቡር ተረፍ ብዝሒ ሞት ኢኻ ትርእይ።"
More than 90 per cent of hospital beds secured for COVID-19 patients in the capital Tokyo have already been occupied.
More than 90 per cent of hospital beds secured for COVID-19 patients in the capital Tokyo have already been occupied. Source: SBS
መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ከምዘለዎ ትሑት ኮይኑ ክቕጽል ድዩ? 

ፕሮፌሶር ካሮላ ቪኑዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ካብ ማእከል ኢምዩኖሎጂ እያ፡ ኣውስትራሊያ ነቲ ቫይረስ ከይላባዕ ንምቁጽጻሩን ጽቡቕ መገዲ እያ ተኸቲላ፣ እንተኾነ ህዝቢ ነቲ መምርሒታት ንንውሕ ዝበለ እዋን ምኽታል ይግባእ ትብል።

"ኣውስትራሊያ ነቲ መጠን ታሕቲ ከምዘውረደቶ ግሉጽ ጉዳይ ኮይኑ እዚ ንስርዓተ ጥዕናና ጽቡቕ ዜና እዩ፡" ኢላ። 

"ነቲ ናይ ጽዑቕ ክንክን ኣሃዱና ኣየጨነቕናሉን፡ እንተኾነ እቲ ሕማም ኣብ ዝተናወሐ እዋን ምዝርጋሑ ኣይተርፎንዩ ክሳብቲ ክታበት ዝርከብ ድማ ነቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክንቅጽሎ ኢና።"
coronavirus restrictions
Social distancing restrictions remain in Australia. Source: AAP
ነዚ ለበዳ ንምምካት ሃገራት መርመራታት ከብዝሓ ኪኢላታት ጥዕና ይመኽሩ ኣለዉ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 850,000 ህዝቢ ናይ ኮቪድ-19 ተመርሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ መርመራታት ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ  ድ/ር ብላከይ ትገልጽ፣'

"መርመራታት ብዙሕ ናይ ሓሶት እወታዊ ዉሽ ኢት ይህቡኻ እዮም፡ እዚ ንኽትመልኦ ኣዚዩ ከቢድ ሃጎፍ እዩ።"

"መጠን ሞት ብዕድመ ዝፈላለ እዩ፡ ኣብዚ ሃገር ካብዝሞቱ እቶ 10 ወይ 15 ሚእታዊ ኣረግቶት እዮም"
A nurse tests a patient for COVID-19 at a drive-through Fever Clinic in Caloundra on the Sunshine Coast.
A nurse tests a patient for COVID-19 at a drive-through Fever Clinic in Caloundra on the Sunshine Coast. Source: AAP
ፕሮፌሶር በነት ነቲ ኮቪድ ሴፍ ዝበሃል ኣፕ ( COVID-Safe app) ህዝቢ ኣብ ሞባይሎም ክጽዕንዎ ይምዕድ።

"እዚ ኮቪድ ሴፍ ኣፕ ዝበሃል መን ክምርመር ከምዝግብ ኦ ዝሕብርን ከይተመርመሩ ዝተርፉ ከምዘይብልና ዘረጋግጽ እዩ።"

 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ኣብ ምትእኽኻባት ዝፍቀድ ብዝሒ ሰባት ንምፍላጥ መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።

መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።

ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።

ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

 


Share
Published 13 May 2020 12:29pm
By Marcus Megalokonomos


Share this with family and friends