ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ብሓባር ከኣንግዳ ተመሪጸን፡

ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን 'እቲ ካብ ዝኾነ እዋን ዝበለጸ ዋንጫ ዓለም' ከአንግዳ ደገፉ ድሕሪ ምግላጹ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ ንታሕቲ ወይ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ከተብል'ያ።

Australian soccer players Steph Catley, Alanna Kennedy and Lydia Williams react as FIFA announced Australia as the hosts to the 2023 FIFA Women's World Cup.

Matilda's Steph Catley, Alanna Kennedy and Lydia Williams celebrate as FIFA announces Australia as the hosts of the 2023 Women's World Cup. Source: Getty

ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ከአንግዳ'የን።

ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዓርቢ፡ ፊፋ እቲ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን (ኣውስትራልያ-ኪዊ) ብሓባር ዘቕረብኦ ጨረታ ነቲ ብኮሎምቢያ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ድሌት ካብ 35 ቅቡላት ድምጽታት ቤት ምኽሪ ፊፋ 22 ብምርካብ ተዓዊቱ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።

ህንጻ ሲድኒ ኦፐራ ሃውስን ሰማይ ጠቀስ ምልክት ከተማ ኦክላንድ 'ስካይ ታወር'ን ነዚ ዜና ንምብዓል ብድሙቕ ብርሃን ተወሊዐን።
The Sydney Opera House just before the announcement.
The Sydney Opera House just before the announcement. Source: AAP
እቲ ኣብ መንጎ ሓምለን ነሓሰን 2023 ክካየድ ዝተመደብ ውራይ ንፈለማ ግዜ 32 ሃገራት ከሳትፍ'ዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ'ቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ 24 ሃገራት ዘሳተፈ ዋንጫ ዓለም ዝያዳ ግጥማት ክእንገደሉ'ዩ።

ኣባላት'ታ 'ማቲልዳስ' ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዓርቢ ኣብ ቤት ጽሕፈታት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ምስ ሓለፍቲ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ተኣኪበን ክከታተላ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓባር ሓጎሰን ዶርጊሐንኦ።



ሓደ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮ እቲ ውራይ ኣብ ኣውስትራልያ ክእንገድ ምዃኑ ዝፈለጣላ ህሞት የመልክት፡ እተን ደቀንስትዮ ካብ ወናብረን ዘሊለን ብምትሳእ ጨዲረንን ነንሓድሕደን ተሓቛቒፈንን። 

[sbsondemand video="1756236867867"

"ፈጺምናዮ! ፈጺምናዮ!" ሓለቓ ጋንታ ማቲልዳስ ሳም ከር መልእኽቲ ትዊተር ዘርጊሓ፡ ምስኡ ኸኣ "ኣነ ሕጂ ረኣዩኒ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ንድሕሪት ብኣክሮባት እናተገምጠለት ዘርኢ ቪድዮ ኣሰንያቶ።
ኣባል ማቲልዳስ ዝኾነት ካያ ሳይሞን ቅድሚ'ቲ ውሳነ ንኤስቢኤስ ዜና 'ንዝኾነት ተጻዋቲት ኣብ ሃገራ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ሕልሚ'ዩ ኔሩ' ክትብል ገሊጻ።
ኣውስትራልያ ፈለማ ነዚ ውራይ በይና ከተአንግድ ሃቂና እንተነበረት'ኳ ድሒራ ግን ኣብ ታሕሳስ 2019 ብሓባር ምስ ኒውዚላንድ ኮይና ነቲ ወግዓዊ ጨረታ ከተእትዎ ተሰማሚዓ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጃፓን ዝሓለፈ ሶኑይ ካብ'ቲ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሕቶ ምእንጋድ የንሳሕብ ከምዘሎ ብምግላጽ ነቲ ውድድር ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራትን ኮሎምቢያን ክኸውን ገዲፍዎ።
Matildas Alanna Kennedy puts her hands together as FIFA announce the hosts to the 2023 FIFA Women's World Cup at the FFA Offices.
Matildas Alanna Kennedy puts her hands together as FIFA announce the hosts to the 2023 FIFA Women's World Cup at the FFA Offices. Source: Getty Images AsiaPac
ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ካብ'ቲ ፊፋ ዘካየዶ ቴክኒካዊ ገምጋም ዝለዓለ ነጥቢ፡ ማለት 4.1 ካብ ሓሙሽተ ክረኽባ እንከለዋ ኮሎምቢያ 2.8 ጥራይ ረኺባ።

ኣብ'ቲ መስርሕ ምድማጽ 37 ኣባላት ቤት ምኽሪ ፊፋ ዝነበራ ክኾና እንከለዋ፡ ጆሃና ዉድ ናይ ኒውዚላንድን ራሞን የሱሩን ናይ ኮሎምቢያን ከድምጹ ስለዘይፍቀደሎም፡ 35 ኣባላት ጥራይ ኣድሚጸን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሲንዳ ኣርደርን ብወገና እቲ ውራይ ኣብ ሃገራ ክካየድ ብምድላይ ብውልቃ ናብ ዝተፈላለዩ ደገፍ ይህቡ ዝበለቶም ኣካላት ሓሙስ ክትደዋውል ኣሕሊፋቶ።
እዚ ዜና ውራይ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ደቀንስትዮ ዝመጽእ ዘሎ ኣውስትርልያ ነቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከተአንግዲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከይተዓወተ ድሕሪ ምትራፉ ድሕሪ 10 ዓመት'ዩ። 

እዚ ውራይ ኣብ መላእ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣብ 12 ከተማታት ክካየድ'ዩ። ሲድኒ፡ መልበርን፡ ብሪዝበን፡ ፐርዝ፡ ኣደላይድ፡ ኒውካስትልን ሎንሰስተንን እተን ኣብ ኣውስትራልያ ዘአንግዳ ክኾና እንከለዋ ኦውክላንድ፡ ዌሊንግተን፡ ክራይስትቸርች፡ ሃሚልተንን ዳነዲንን ከኣ እተን ኒውዚላንዳውያን ክተማታት'የን።

መኸፈቲ ግጥም ኣብ ኦውክላንድ፡ መዕጸዊ ወይ ግጥም ፍጻመ ኸኣ ኣብ ሲድኒ ክካየዱ'ዮም።

The Women's World Cup trophy.
The Women's World Cup trophy. Source: AAP
ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብወገኑ 32 ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን ድሕሪ ምርግጋጽ 'እቲ ዝዓበየ ድፍኢት ንኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ'ዩ' ክብል ገሊጽዎ። ካብ ዝኾነ ካልእ ግዜ ዝበለጸ ዋንጫ ዓለም ክህልወና'ዩ ክብል ብሓጎስ ተቐቢልዎ።
ኣቦ ወንበር ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ክሪስ ኒኮን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኒውዚላንድ ጆሃና ዉድን ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊጾም። ነቲ ግጥም ኣብ'ዚ ከባቢ ዓለም ንምምዕባል ዓቢይ ዕድል ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ብዙሕ ስራሕ ይጽበዮም ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰንን ኒውዚላንዳዊት መዘንኡ ጃሲንዳ ኣርደርን ዓርቢ ንግሆ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ነዚ ዜና 'ንስፖርት ደቀንስትዮ ኣብ ዞባና ነጥበ መቐይሮ ዝኾነ ውሳነ'ዩ' ኢሎሞ። 

WITH AAP


Share
Published 26 June 2020 9:17am
Updated 26 June 2020 9:22am
Source: SBS News


Share this with family and friends