በዚ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ጃፓንን ተፈሪሙ ዘሎ ወተሃደራዊ ስምምዕ ቻይና ክትሰግእ የብላን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ተዛሪቡ።
ሚስተር ሞሪሶን ምስ ጃፓናዊ መዘናኡ ዮሺሂደ ሱጋ ብሰሉስ ኣብ ቶክዮ ተራኺቡ፡ በዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሶን ናይ ፈለማ መራሒ ነቲ ካብ ሺንዞ ኣበ ስልጣን ዝተረከበ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ተራኺቡ።
ሚስተር ሞሪሶንን ሚስተር ሱጋ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሕድሕድ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክጥቀማ ዘኽእለን ስምምዕ እየን ፈሪመን ዘለዋ።
እቲ ስምምዕ ገና ፓርላማ ከጽድቖ ዝጽበ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
እዚ ስምምዕ ኣብ መወዳእታኡ ምስበጽሐ፡ ድሕሪ ኣብ 1960 ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ናይ ፈለማ ስምምዕ ክልተ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክጥቀማ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ።

"እዚ ኣገዳሲ ምዕባለ ዝምድና እዩ እንተኾነ ብዛዕባዚ ኣብዚ ከባቢ ስክፍታ ከሕድር የብሉን።" ክብል ሚስተር ሞሪሶን ገሊጹ።
"እዚ ነዚ ዞባ ምርግጋእ ዘምጽእ ስለዝኾነ ጽቡቕ ነገር እዩ።"
ሚስተር ሱጋ ብወገኑ ጃፓንን ኣውስትራሊያን "ፍሉይ ስትራተጂካዊ ዝምድና" ዝበሎ ስምምዕ ኮይኑ ክልቲኦም ንመሰረታዊ ክብሪታት ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝ ኣት ሕጊን ክሰፍን ንሰርሕ፡ ኣብዚ ዞባ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።
ኣብቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ባሕሪ ቻይናን ዘሎ ኩነታት "ዘሰክፍ" ከምዝኾነ ገሊጹ፡ ኣብቲ ዘሰሓሓ ደሴት ወተሃደራዊ ዞባ ምግባሩ (ንቻይና ከይጠቐሰ) ስክፍታኡ ገሊጹ።