ኣውስትራሊያን ጃፓንን ዓቢ ናይ ምክልኻል ታሪኻዊ ስምምዕ ፈሪመን።

"ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ጃፓንን ዝግበር ወተሃደራዊ ስምምዕ ኣብቲ ዞባ ስግኣት ክፈጥር የብሉን።" ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን።

Australian Prime Minister Scott Morrison and Japan's Prime Minister Yoshihide Suga observe an honor guard  in Tokyo, Japan, 17 November 2020.

Australian Prime Minister Scott Morrison and Japan's Prime Minister Yoshihide Suga observe an honor guard in Tokyo, Japan, 17 November 2020. Source: AAP

በዚ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ጃፓንን ተፈሪሙ ዘሎ ወተሃደራዊ ስምምዕ ቻይና ክትሰግእ የብላን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን ተዛሪቡ።

ሚስተር ሞሪሶን ምስ ጃፓናዊ መዘናኡ ዮሺሂደ ሱጋ ብሰሉስ ኣብ ቶክዮ ተራኺቡ፡ በዚ ድማ  ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሶን ናይ ፈለማ መራሒ ነቲ ካብ ሺንዞ ኣበ ስልጣን ዝተረከበ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ተራኺቡ።

ሚስተር ሞሪሶንን ሚስተር ሱጋ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሕድሕድ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክጥቀማ ዘኽእለን ስምምዕ እየን ፈሪመን ዘለዋ።

እቲ ስምምዕ ገና ፓርላማ ከጽድቖ ዝጽበ ዘሎ ጉዳይ እዩ።
20201117001503804787-original.jpg
እዚ ስምምዕ ኣብ መወዳእታኡ ምስበጽሐ፡ ድሕሪ ኣብ 1960 ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ናይ ፈለማ ስምምዕ ክልተ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክጥቀማ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ።

"እዚ ኣገዳሲ ምዕባለ ዝምድና እዩ እንተኾነ ብዛዕባዚ ኣብዚ ከባቢ ስክፍታ ከሕድር የብሉን።" ክብል ሚስተር ሞሪሶን ገሊጹ።

"እዚ ነዚ ዞባ ምርግጋእ ዘምጽእ ስለዝኾነ ጽቡቕ ነገር እዩ።"
ሚስተር ሱጋ ብወገኑ ጃፓንን ኣውስትራሊያን  "ፍሉይ ስትራተጂካዊ ዝምድና" ዝበሎ ስምምዕ ኮይኑ ክልቲኦም ንመሰረታዊ ክብሪታት ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝ ኣት ሕጊን ክሰፍን ንሰርሕ፡ ኣብዚ ዞባ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።

ኣብቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ባሕሪ ቻይናን ዘሎ ኩነታት "ዘሰክፍ" ከምዝኾነ ገሊጹ፡ ኣብቲ ዘሰሓሓ ደሴት ወተሃደራዊ ዞባ ምግባሩ (ንቻይና ከይጠቐሰ) ስክፍታኡ ገሊጹ።

 


Share
Published 18 November 2020 8:14am
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends