ኣብ ፐርዝ ብዝተኸስተ ኣዚዩ ሓደገኛ ባርዕ ጫካ ብውሕዱ 71 ገዛውቲ ነዲዱ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ፐርዝ ዝርከብ ከባቢታት ብዝተኸስተ ባርዕ ጫካ ልዕሊ 70 ገዛውቲ ናብ ሓሞኹሽቲ ተቐይሮም።

A supplied image of DFES fire fighters battling a blaze in Brigadoon, Perth, Tuesday, 2 February, 2021.

A supplied image of DFES fire fighters battling a blaze in Brigadoon, Perth, Tuesday, 2 February, 2021. Source: DFES

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ከተማ ፐርዝ ዝርከቡ ወረዳታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ባርዕ ጫካ ልዕሊ 70 ገዛውቲ ክዓንዉ ከለዉ፡ ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር ክስዕብ ከምዝኽእ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ብርቱዕ ባርዕ ብሰኑይ ብዕጽፊ ዓብዩ ካብ ኣብጎቦ ትርከብ ከተማ ዉሩሉ ተበጊሱ ናብ ገማግም ከተማ ፐርዝ ተቐራሪቡ ኣሎ። ኣጥፋእቲ ሓዊ ህይወትን ንብረትን ንምድሓን ይረባረቡ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ኣገልግሎት ሓዊን ህጹጽ ኩነታትን ኮሙሺነር ዳረን ክለም ከምዝገለጾ እቲ በዚ ሓዊ ዝነደደ ገዛውቲ ሎሚ ለይቲ ናብ ልዕሊ 70 ሰጊሩ ኣሎ። እንተኾነ ዛጊት ዝሞተ ሰብ የለን።

"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይቲ ባርዕ ተኸሲትዎ ዘሎ ከባቢ ኣብ ሰዓት 70 ኪሎሜተር ዝውንጨፍ ንፋስ ክንርኢ ኢና።" ክብል ሚስተር ክለም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

"ኣዚዩ ኣጸጋሚ ኩነታት'ዩ፡ ኣዚዩ ዓሙቕ ኣቀማምጣ መሬት እዩ፡ እቲ ናትና መልእኽቲ ኣብ ሻዲ ሂል እስቴትን ኣብ ጎዶቦታት ዝርከብ ህዝቢ ነቲ ናይ ባርዕ ጫካ መደባት ብምክትታል ሕጂ ክወጹ ዝግብ ኦም እንተኾይኖም ክትግብርዎ ኣለዎም።"

"እዚ ባርዕ ካብዝጅምር ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ፡ ንዝመጽእ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ብድሆ ኮይኑና ክጸንሕ እዩ።"
DFES Commissioner Darren Klemm speaks to the media during a press conference at the Wooroloo Volunteer Bushfire Brigade in Perth on Tuesday, 2 February.
DFES Commissioner Darren Klemm speaks to the media during a press conference at the Wooroloo Volunteer Bushfire Brigade in Perth on Tuesday, 2 February. Source: AAP
ብመሰረት ሓበሬታ ሚስተር ክለም ክሳብቲ ኣብ ሰንበት ትጽቢት ዝግበረሉ ዝዘንብ ዝናብ እብ ፐርዝን ከባቢኡን እቲ ኩነታት ኣይመሓየሽን እዩ። 

እቶም ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ከይወጹ ተኣዚዞም ዘለዉ፡ ብሰንኪዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃደጋ ባርዕ ካብ ገዛኦም ወጺኦም ነፍሶም ከድሕኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

እቲ ሓዊ ድሮ ልዕሊ  9000 ሀክታር መሬት ኣቃጺሉ ኣሎ።
Firefighters battle a blaze in Brigadoon, Perth, on Tuesday, 2 February.
آتش‌نشانان در حال مبارزه با آتش‌سوزی در نزدیکی پرت Source: DFES via AAP
ብሰሉስ ናይ ሚሸት 2000 ዝኾኑ ነበርቲን ቢዝነሳትን ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሓዲሮም ኣለዉ።  ኣስታት 150 ኣዕኑድን  100 ትራንስፎርመራትን ኣብቲ ከባቢ ስግኣት ብምፍጣሩ ከምዝዕጸዉ ተጌሩ።

ናይቲ ግዝኣት ኣቕራቢ ኤለክትሪክ ናብቲ ከባቢ ንምቕራብ ዉሑስ ብዘምዃኑ ነቲ ዝወረደ ዕንወት ክጽግን ኣይተኻእሎን።  እንተኾነ ምስ ኣገልግሎት ሓዊን ኩነታት  ህጹጽን ብምትሕብባር ነቲ ዝዓነወ መስመራትን ኣዕኑድ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክትክኦ ይጽዕር ከምዘሎ ተፈሊጡ።
An evacuation centre has been set up at Brown Park, Swan View.
An evacuation centre has been set up at Brown Park, Swan View. Source: Aaron Fernandes / SBS News
ጓል ኪራ ሩተር ካብቲ ኣብ አለንብሩክ ዝርከብ ገዛኣ ኣብ ወጋሕታ ሰዓት 3 ናብ ብሮውን ፓርክ ሃዲማ ዝወጸት እያ። ኣብቲ ዘላቶ ማእከል ክሳብ 300 ሰባት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ገሊጻ።

"ነፍሲ ወከፍ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ወድዩ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ሓሊዩ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን ደጋፊ ማሕበረሰብ ረኺብና ኣለና" ኢላ፣

"እንተኾነ እቲ ትኪ ክሳብ ኣብዚ ዘለናዮ ምብጻሕ ጀሚሩ ስለዘሎ ፍርሒ ተሰሚዑኒ ኣሎ።"

ዊል ሊስተርን ደቁን ካብ ዘ ቪነስ ብሰሉስ ንግሆ ካብ ደፓርመንት ሓዊ  ክወጹ ከምዘለዎም መልእኽቲ ምስበጽሖ እዩ ወጺኡ።
Will Lister and his daughters evacuated from the Vines early on Tuesday morning.
Will Lister and his daughters evacuated from the Vines early on Tuesday morning. Source: Aaron Fernandes / SBS News
“ናብ ደገ ወጺአ ምስረኣኹ ኣብ ኩሉ እቲ ጽርግያታት ሓሞኹሽቲን ትኪን መሊኡ ኔሩ" ክብል ን SBS News ገሊጹ።
 
“ኣዚዩ ከቢድዩ ጸሓይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ካብ ሂሊኮፕተራትን መኻይን መጥፋእቲ ሓዊ ዝወጽእ ድምጺ ነቲ ኣየር መሊእዎ ትሰምዕ፡ ካብ ሰማይ ዝወርድ ሓዊ፡ ዝረግፍ ዝሓረር ቆጽሊ ኢኻ ትዕዘብ።"
"ኣዚዩ ከቢድ ነገር ኢካ ትዕዘብ፡ በዚ ድማ ብዝቐልጠፈ ክንወጽእ ተገዲድና።"

ብሰሉስ ፕሪሜር ማርክ ማክጎዋን ኣጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ገጠራት ቲልደን ፓርክ ዝዓነወ ገዛውቲን ዝጠፍአ ህይወትን እንተሎ ክፍትሹ እዮም ኢሉ ኔሩ።

"እዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ሓዊ'ዩ ከቢድ ኩነታት ድማ'ዩ። እቲ ኩነታት ኣየር ተለዋዋጢ'ዩ ዘሎ" ክብል እቲ ፕሪሜር ገሊጹ።

ኣብ ማእከል ከተማ ፐርዝ ካብቲ ሓዊ ዘለዎ 35 ኪሎሜተር ርሒቖም ዝነብሩ  ኣብ ገዛውቶም ሓመኹሽቲ ክዓልብ ምጅማሩ ሓቢሮም ኣለዉ።

 



Share
Published 3 February 2021 10:52am
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends