ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ'ቲ ብኲናት ዝሕመስ ዘሎ ክልል ትግራይ ተኻይዶም ተባሂሎም ኣብ ዝተጸብጸቡ ሓደስቲ ዙርያ መጥቃዕታት 19 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ'ዚ ዝበዝሐ ቁጽሪ ሰባት ዝሞትሉ ሶኑይ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ትግራይ ዝኾነት ማይ ጸብሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ኣብ ሓደ እንዳ መጥሓን ዝሰርሑ ዝነበር ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ክብል ንመሰኻኽር ጠቒሱ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ገሊጹ።
ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ ረዲኤት ከኣ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ካልኦት ሰባት ኣብ'ቲ መጥቃዕቲ ተጎዲኦምን 16 ኣእዱግ ከኣ ተቐቲሎም ኢሉ።
"ሓደ ምስክር ከምዝነገረኒ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) መጺኤን ቅድሚ ቦምብታት ምድርባየን ንገለ እዋን ኣብ ሰማይ ዘንቢየን። ድሕሪኡ ሰባት ተሰናቢዶም፡ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ዓቢይ ኣውያት ተሰሚዑ፡ ሰባት ናብ'ቲ ቦታ ፍጻመ ምስ ከዱ ኸኣ ኣንስቲን ኣእዱግን ዝሞቱ ርእዮም።"
ኣብ ካልእ ሰሉስ ኣብ ሒዋነ (ሸነኽ ደቡብ ካብ መቐለ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎምን ደርዘናት ከኣ ተጎዲኦም፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሓደ ኣመሓዳርን ካልእ ኣብ ናይ'ታ ከተማ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪምን።
እዞም መጥቃዕታት ዝመጹ ኣብ ሓደ ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት ድሕሪ ምቑሳሎም'ዩ።
ናብ ትግራይ ምእታው ስለዘይከኣልን እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ መራኸቢታት ስለዘሎን እዞም ጸብጻባት ነጻ ብዝኾነ ኣካል ምርግጋጾም ኣይተኻእለን።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሉስ ብዛዕባ'ዞም ተኻይዶም ዝተባህሉ መጥቃዕታት ሓበሬታ የብለይን ክትብል ገሊጻ።
'ዘየቋርጹ ተጻብኦታት'
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ናብ ትግራይ ኣንሳሒብና ክንስና ሓይልታት መንግስቲ ግን መጥቃዕታት ነፈርቲ ገና ይቕጽልዎ ኣለዉ ኢሎም።
እቲ ናቶም ምንስሓብ፡ ብዙሓት ንኣሽቱ ከተማታት ደጊሙ ዝተቖጻጸረ መጥቃዕቲ መንግስቲ ተኸቲሉ ዝመጸ ኮይኑ፡ ናብ ሓደ ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ዝኸፍት ተኽእሎ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ተስፋታት ፈጢሩ ኔሩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኣብ'ቲ ንሃገራዊ ዘተን 'ሓድነትን' መንገዲ ዝኸፍት ኢሉ ዝገለጾ ንብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲን ገዳይምን ህወሓትን ካልኦት ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎም መራሕቲ ተቓወሞታትን ምሕረት ኣዊጅሎም።
ኲናት ኣብ ትግራይ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ንደሓር ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉን ብዙሓት ሚልዮናት ከኣ ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉን።
ትግራይ ባዕላ'ውን ኣብ ትሕቲ'ቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ግብራዊ መዕጸውቲ ወይ እገዳ' ኢሉ ዝገለጾ ሃልያ ናብ'ቶም ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት፡ ነቶም ኣብ'ቲ ዓጸቦ ዝመስል ኩነታት ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ወሲኽካ፡ ህይወት ዘድሕኑ ቀረባት መግብን መድሃኒትን ከይበጽሖም ከልኪሉ'ሎ።
ሶኑይ ዝተጸብጸበ መጥቃዕቲ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ስግኣቱ ብዛዕባ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ዕግርግር ብቴሌፎን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተዘራረበሉ መዓልቲ'ዩ።
ሚስተር ባይደን "ነዞም መጥቃዕታት ኣየር ወሲኽካ እዞም መወዳእታ ዘይተረኸቦም ተጻብኦታት መጉዳእትን ስቓይን ሰላማውያን ሰባት ምስዓቦም ይቕጽሉ ኣለው" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ ብመሰረት መግለጺ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ "መጉዳእትን ሞትን ኣዝዮም ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዘኸተለ ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዝብሉ ጸብጻባት ዓሚቕ ሻቕሎት ኣሎኒ" ኢሉ።
"ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጒተረሽ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ጎንጺ ኣብ ኢትዮጵያ ከብቅዕን ሰብኣዊ ሓገዛት ብህጹጽ ክኣቱ ክፍቀድን ደጊመ የቃልሖ።"
እቶም ሰሉስ ንመደበር ዜና ኤኤፍፒ ዘዘራረብዎ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብተወሳኺ ከምዝበልዎ ኣብ መዓስከር ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ደደቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 59 ሰባት ቀቲሉ፡ ክሳብ 138 ከምዝቖሰሉ ከኣ ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ ረዴኤት ሓቢሩ።
ብመሰረት ወኪል ወሃቢ ህጹጽ ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ OCHA ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ትካላት ረዲኤት ኣብ'ቲ ከባቢ ዘካይድዎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣወንዚፎሞ።