ኣብታ ሲምቻት ቶራህ እተባህለት ናይ ኣይሁድ ቅድስቲ መዓልቲ ፡ ቀዳም ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብወጋሕታ ምስ ፈነወ ፡ ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ እስራኤልን ኣብ ጋዛን ቈሲሎም ኣለዉ ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቪዥን እስራኤል ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ 20 ቦታታት ብዘውረዶ ተዅሲ ፡ ኣስታት 400 እስራኤላውያን ተቐትሉን 1,100 ሰባት ቈሲሎምን ።
እስራኤል ብዝወሰደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ ፡ ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ከም እተቐትሉን ኣስታት 2,000 ከም ዝቘሰሉን ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም እዮም ።
ሓማስ ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ባንክ ፡ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ኣሰካፊ መጥቃዕትታትን ኣንጻር ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ እሱራት ፍልስጢኤምን ምዃኑ ገሊጹ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ህዝቡ ኣብ ውግእ ከም ዘሎን "ከቢድ ሕነ" ከም ዚፈድዩን ገሊጹ እዩ ።
እቲ መጥቃዕቲ ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምጅማር ውግእ 1973 ፡ "ኪፑር" እዩ ተፈጺሙ ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብሃንደበታውን ቅጽበታውን ታንክታት ሶርያን ግብጽን እስራኤል መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ ነይሩ ።
ትካላት ጸጥታ እስራኤል ብኸመይ ነዚ ክምክቶ ከምዘይከኣሉ ተንተንቲ ይሓቱ
እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብጻዕቂን ብተኸታታሊ ወተሃደራዊ ሱልካ እተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣገሪሙን ኣሰምቢዱን እዩ ።
ናይ ቀደም ተንታኒ ሲኣይኤ ናይ ጸጥታ ዝነበረ ማርክ ፖሊሜሮፑሉል ነቲ ፍጻመታት "ዘገርም ናይ ምክትታል ፍሽለት" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት X ፡ "እዚ ብኸመይ ከም እተሳሕተ ንምርዳኡ ይኸብድ እዩ" ኢሉ ጸሓፈ ።
"እዚ ናይ እስራኤል 9 / 11 እዩ ።"
ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኣብ እስራኤል ዴቪድ ፍሬድማን ከምዚ ዝበለ ነገር ፈጺሙ ኣይተራእየን ክብል ገሊጹ።
"እቲ ዶብ በዚ መገዲ እዚ ክፈርስ ርእየ ኣይፈልጥን እየ" ክብል ድማ ን MSNBC ገሊጹ ።
"ሓደ ሰብ ዋላ እውን ካብ ጋዛ ናብ ዶብ እንተቐሪቡን፡ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ቁጽጽር ዘውዕልዎን ነይሮም ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ። ብርግጽ ዓብዪ ናይ ስለያ ጸገምን ዉድቀትን እዩ "በለ ።
ናይ እስራኤል ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ ኤያል ሁላታ እቲ መጥቓዕቲ መደብ ዝተገብሮ ይመስል ኢሉ ።
"ነዚ ካብ ዝውጥኑ ነዊሕ ገይሮም እዮም" ድማ በለ ።
"እዚ ብሓቂ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግና ፡ ኼገርሙናን ከቢድ ጕድኣት ኬውርዱልናን ክኢሎም እዮም ።"
ናይ እስራኤል ሞሳድ ናይ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ ኤፍራሚ ሃለቪ ካብ ጋዛ እተወንጨፈ ልዕሊ 3,000 ሚሳይላት "ካብ ትሓስቦ ንላዕሊ እዩ" በለ ።
እቲ ስርሒት ብጽቡቕ ከም እተወሃሀደ ድማ ገለጸ ።
"ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እንታይ ይግበር ከምዝነበረ ፍጹም ርድኢት ኣይነበረናን ።" ክብል ን ሲ.ኤን.ኤን ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ብኸመይ ተጀሚሩን ቀጺሉን?
ሮኬታት
ኣብ ከባቢ ሰዓት 6.30 ቅ.ቀ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ኣብ መላእ ደቡባዊ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ሮኬታት ተኲሱ ።
ድሕሪ ሓደ ሰዓት ፡ ሰራዊት እስራኤል ፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ናብ እስራኤል ከም ዝሰገሩ ገለጸ ።

ወተሃደራት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ወተሃደራት ፍልስጤማውያን ኣብ ሲደሮት ኣብ ጥቓ ዘዕነዉዋ ናይ ጽዕነት ማኪና ደው ኢሎም ነበሩ ። Source: AP / AP
መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ ፡ ጋዛን እስራኤልን ኣብ ዝፈላልይ ሓጹራት ጸጥታ ምድሪ ጥሒሶም ሓሊፎም ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ፈጣን ጃልባ ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል እትርከብ ዚኪም እትበሃል ከተማ ኽትኸይድ ከላ: ብቪድዮ ተቐሪጻ ።
እቲ ኣል-ቃሳም ብርጌድ ዝበሃል ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ዘዳለዎ ቪድዮታት ከም ዝሕብሮ ፡ ተዋጋእቲ ካብ ጋዛ ነቒሎም ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ደቡባዊ እስራኤል ዝመስል ቦታ ኺዓልቡ ከለዉ ዘርኢ እዩ ።
ምውራር ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታትን ምርኮን
እቶም ኣጋር ተዋጋእቲ ነታ ኣብ ዶብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ሸደሮት ወረሩ ፡ ኣብ ካልእ ዶባዊ ማሕበረሰብ ብዔር ፡ ካብ ጋዛ ንምብራቕ 30 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦፋቂም ድማ ከም ዝኣተዉ ነበርቲ ብተለፎን ሃበሩ ።
ሬሳታት ናይ እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጐደናታት ሲደሮትን ብስብርባር ጥርሙዝ ተኸቢቡ ፋሒ ኢሉ ነበረ ። ሬሳ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቀዳማይ መናብር ሓንቲ ማኪና ተሰጥሐ ።

The body of an Israeli man killed while driving a motorcycle in the city of Sderot, 7 October 2023. Source: EPA / EPA
ሰራዊት እስራኤል ጸኒሑ ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ኣረጋገጸ ።
ኣብ ጋዛ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ጋዛ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ገሊጹ ። ኣብ ጋዛ ዝነበሩ ማእከላይ ሕክምናታት በቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ገሊጾም ።
እተን ኣብ ጐደናታት ዚጐዓዛ ኣምቡላንሳት ፡ ኣብቲ ኣየራት ዘጥቃዓሉ ዝነበረ ቦታ ናብትን ናብዚን ይብላ ነበራ ። እስራኤል ንሓይሊ ኤለክትሪክ ቘሪጻቶ ነታ ከተማ ናብ ጸልማት ኣእተወታ ።
ኣብ ጋዛ ፡ 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ን16 ዓመት ኣብ ትሕቲ መዕገቲ እስራኤል ዝነብሩላ ጸባብ መሬት ፡ ነበርቲ ውግእ ከም ዝቕጽል ብምጽባይ ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ክጓየዩ ተራእዮም ። ገሊኦም ካብ በቶም ወጺኦም ናብ መዕቈቢ ኣምርሖም ።
ድሕር'ቲ ዕጡቓት ሓማስ ብ2007 ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ምእታዎም፡ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን እተገብረ ኣርባዕተ ከቢድ ውግእን ማእለያ ዘይብሉ ንኡስ ግጭታት ን ጋዛ ኣመና ዓንይዋ እዩ ።
መጻኢ እንታይ ክኸውን'ዩ?
ፖሊመርፑሉስ ከምዝብሎ ኣብ ጋዛ "ዓብዪ ወተሃደራዊ ምላሽ" ክወሃብ ትጽቢት ክግበረሉ ኣለዎ ።
"ኣብ ጋዛ ዓቢ ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ተጸበ ፣ እዚ 'ውን ኣብ ባይታ ክወርድ ዝኽእል ወራር ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ተወሳኺ ምስሕሓብ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ። ከምኡ ድማ ኵለን ኣዒንቲ ና ኢራን ክጥምታ እየን። "
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ከም ዝሓበሮ ፡ ካቢነ ጸጥታ ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ፡" ማለት ሓይሊ ኤለክትሪክን ነዳድን ብምቝራጽ ፡ ኣቕሑ ናብ ጋዛ ንምእታው ፡ ንሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ንምድምሳስ ፡ ወተሃደራዊን መንግስታዊን ዓቕሚ ንምድኻም ዘኽእል ስጕምትታት ክውሰድ ኣፍቂዱ ኣሎ ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ጀሚሩ ዝነበረ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ነይሩ እዩ ። ጋዛውያን ን16 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ እስራኤል መዕገቲ ተቐሚጦም እዮም ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ቅልውላው ከይዝርጋሕን ኣብ ጋዛ ክዕገትን ምስ ካልኦት መንግስትታት ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ ።
- With Reuters