ሓማስ ብኸመይ ንእስራኤል ኣጥቂዕዋ፧ ልሕሉሕ ኩነታት ጸጥታ፧

ሓደ ጉጅለ ሓማስ ብኸመይ ካብ ጋዛ ብሞተራይዝ ተንሳፈፍትን ፈጣናት ጀላቡን ንሓጹር ጸጥታ እስራኤል ጥሒሱ ናብ ዉሽጢ እስራኤል ከም ዝኣተወ ሕቶታት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብታ ሲምቻት ቶራህ እተባህለት ናይ ኣይሁድ ቅድስቲ መዓልቲ ፡ ቀዳም ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብወጋሕታ ምስ ፈነወ ፡ ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ እስራኤልን ኣብ ጋዛን ቈሲሎም ኣለዉ ።

ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቪዥን እስራኤል ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ 20 ቦታታት ብዘውረዶ ተዅሲ ፡ ኣስታት 400 እስራኤላውያን ተቐትሉን 1,100 ሰባት ቈሲሎምን ።
እስራኤል ብዝወሰደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ ፡ ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ከም እተቐትሉን ኣስታት 2,000 ከም ዝቘሰሉን ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም እዮም ።
ሓማስ ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ባንክ ፡ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ኣሰካፊ መጥቃዕትታትን ኣንጻር ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ እሱራት ፍልስጢኤምን ምዃኑ ገሊጹ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ህዝቡ ኣብ ውግእ ከም ዘሎን "ከቢድ ሕነ" ከም ዚፈድዩን ገሊጹ እዩ ።
እቲ መጥቃዕቲ ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምጅማር ውግእ 1973 ፡ "ኪፑር" እዩ ተፈጺሙ ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብሃንደበታውን ቅጽበታውን ታንክታት ሶርያን ግብጽን እስራኤል መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ ነይሩ ።

ትካላት ጸጥታ እስራኤል ብኸመይ ነዚ ክምክቶ ከምዘይከኣሉ ተንተንቲ ይሓቱ

እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብጻዕቂን ብተኸታታሊ ወተሃደራዊ ሱልካ እተገብረ መጥቃዕቲ ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣገሪሙን ኣሰምቢዱን እዩ ።
ናይ ቀደም ተንታኒ ሲኣይኤ ናይ ጸጥታ ዝነበረ ማርክ ፖሊሜሮፑሉል ነቲ ፍጻመታት "ዘገርም ናይ ምክትታል ፍሽለት" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት X ፡ "እዚ ብኸመይ ከም እተሳሕተ ንምርዳኡ ይኸብድ እዩ" ኢሉ ጸሓፈ ።

"እዚ ናይ እስራኤል 9 / 11 እዩ ።"
ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኣብ እስራኤል ዴቪድ ፍሬድማን ከምዚ ዝበለ ነገር ፈጺሙ ኣይተራእየን ክብል ገሊጹ።

"እቲ ዶብ በዚ መገዲ እዚ ክፈርስ ርእየ ኣይፈልጥን እየ" ክብል ድማ ን MSNBC ገሊጹ ።

"ሓደ ሰብ ዋላ እውን ካብ ጋዛ ናብ ዶብ እንተቐሪቡን፡ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ቁጽጽር ዘውዕልዎን ነይሮም ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ። ብርግጽ ዓብዪ ናይ ስለያ ጸገምን ዉድቀትን እዩ "በለ ።

ናይ እስራኤል ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ ኤያል ሁላታ እቲ መጥቓዕቲ መደብ ዝተገብሮ ይመስል ኢሉ ።
"ነዚ ካብ ዝውጥኑ ነዊሕ ገይሮም እዮም" ድማ በለ ።

"እዚ ብሓቂ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግና ፡ ኼገርሙናን ከቢድ ጕድኣት ኬውርዱልናን ክኢሎም እዮም ።"
ናይ እስራኤል ሞሳድ ናይ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ ኤፍራሚ ሃለቪ ካብ ጋዛ እተወንጨፈ ልዕሊ 3,000 ሚሳይላት "ካብ ትሓስቦ ንላዕሊ እዩ" በለ ።
እቲ ስርሒት ብጽቡቕ ከም እተወሃሀደ ድማ ገለጸ ።

"ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እንታይ ይግበር ከምዝነበረ ፍጹም ርድኢት ኣይነበረናን ።" ክብል ን ሲ.ኤን.ኤን ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ብኸመይ ተጀሚሩን ቀጺሉን?

ሮኬታት

ኣብ ከባቢ ሰዓት 6.30 ቅ.ቀ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ኣብ መላእ ደቡባዊ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ሮኬታት ተኲሱ ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ፡ ሰራዊት እስራኤል ፡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ናብ እስራኤል ከም ዝሰገሩ ገለጸ ።
Israel Palestinians
ወተሃደራት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ወተሃደራት ፍልስጤማውያን ኣብ ሲደሮት ኣብ ጥቓ ዘዕነዉዋ ናይ ጽዕነት ማኪና ደው ኢሎም ነበሩ ። Source: AP / AP
ሱልኳ ናብ ዉሽጢ

መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ ፡ ጋዛን እስራኤልን ኣብ ዝፈላልይ ሓጹራት ጸጥታ ምድሪ ጥሒሶም ሓሊፎም ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ፈጣን ጃልባ ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል እትርከብ ዚኪም እትበሃል ከተማ ኽትኸይድ ከላ: ብቪድዮ ተቐሪጻ ።
እቲ ኣል-ቃሳም ብርጌድ ዝበሃል ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ዘዳለዎ ቪድዮታት ከም ዝሕብሮ ፡ ተዋጋእቲ ካብ ጋዛ ነቒሎም ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ደቡባዊ እስራኤል ዝመስል ቦታ ኺዓልቡ ከለዉ ዘርኢ እዩ ።

ምውራር ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታትን ምርኮን

እቶም ኣጋር ተዋጋእቲ ነታ ኣብ ዶብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ሸደሮት ወረሩ ፡ ኣብ ካልእ ዶባዊ ማሕበረሰብ ብዔር ፡ ካብ ጋዛ ንምብራቕ 30 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦፋቂም ድማ ከም ዝኣተዉ ነበርቲ ብተለፎን ሃበሩ ።
ሬሳታት ናይ እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጐደናታት ሲደሮትን ብስብርባር ጥርሙዝ ተኸቢቡ ፋሒ ኢሉ ነበረ ። ሬሳ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቀዳማይ መናብር ሓንቲ ማኪና ተሰጥሐ ።
A corpse covered with a white sheet lies beside a motorbike on its side.
The body of an Israeli man killed while driving a motorcycle in the city of Sderot, 7 October 2023. Source: EPA / EPA
ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ዓሪ ንኣል ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝርከብዎም ሓያሎ እስራኤላውያን ምሩኻት ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ሰራዊት እስራኤል ጸኒሑ ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ኣረጋገጸ ።

ኣብ ጋዛ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ጋዛ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ገሊጹ ። ኣብ ጋዛ ዝነበሩ ማእከላይ ሕክምናታት በቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ገሊጾም ።

እተን ኣብ ጐደናታት ዚጐዓዛ ኣምቡላንሳት ፡ ኣብቲ ኣየራት ዘጥቃዓሉ ዝነበረ ቦታ ናብትን ናብዚን ይብላ ነበራ ። እስራኤል ንሓይሊ ኤለክትሪክ ቘሪጻቶ ነታ ከተማ ናብ ጸልማት ኣእተወታ ።
ኣብ ጋዛ ፡ 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ን16 ዓመት ኣብ ትሕቲ መዕገቲ እስራኤል ዝነብሩላ ጸባብ መሬት ፡ ነበርቲ ውግእ ከም ዝቕጽል ብምጽባይ ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ክጓየዩ ተራእዮም ። ገሊኦም ካብ በቶም ወጺኦም ናብ መዕቈቢ ኣምርሖም ።

ድሕር'ቲ ዕጡቓት ሓማስ ብ2007 ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ምእታዎም፡ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን እተገብረ ኣርባዕተ ከቢድ ውግእን ማእለያ ዘይብሉ ንኡስ ግጭታት ን ጋዛ ኣመና ዓንይዋ እዩ ።

መጻኢ እንታይ ክኸውን'ዩ?

ፖሊመርፑሉስ ከምዝብሎ ኣብ ጋዛ "ዓብዪ ወተሃደራዊ ምላሽ" ክወሃብ ትጽቢት ክግበረሉ ኣለዎ ።
"ኣብ ጋዛ ዓቢ ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ተጸበ ፣ እዚ 'ውን ኣብ ባይታ ክወርድ ዝኽእል ወራር ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ተወሳኺ ምስሕሓብ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ። ከምኡ ድማ ኵለን ኣዒንቲ ና ኢራን ክጥምታ እየን። "
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ከም ዝሓበሮ ፡ ካቢነ ጸጥታ ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ፡" ማለት ሓይሊ ኤለክትሪክን ነዳድን ብምቝራጽ ፡ ኣቕሑ ናብ ጋዛ ንምእታው ፡ ንሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ንምድምሳስ ፡ ወተሃደራዊን መንግስታዊን ዓቕሚ ንምድኻም ዘኽእል ስጕምትታት ክውሰድ ኣፍቂዱ ኣሎ ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ጀሚሩ ዝነበረ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ነይሩ እዩ ። ጋዛውያን ን16 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ እስራኤል መዕገቲ ተቐሚጦም እዮም ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ቅልውላው ከይዝርጋሕን ኣብ ጋዛ ክዕገትን ምስ ካልኦት መንግስትታት ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ ።

- With Reuters

Share
Published 9 October 2023 8:41am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends