Key Points
- መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጋዛ ብህጹጽ ተዅሲ ደው ንኼብል ጸቕጢ ገይሮምሉ ።
- ብሊንከን ንድሕሪት ገጹ ብምምላስ ፡ ምቁራጽ ቶኽሲ ዕጡቓት ሓማስ ዳግም ንኽውደቡ ዝሕግዝ'ዩ ኢሉ ።
- ኣብ ጃባልያ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ፋክበር ብነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተሃርመን ብውሕዱ 15 ከም እተቐትሉን ፍልስጤማውያን መሰኻኽር ገሊጾም ።
መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ፡ ን ቀዳም ንጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ኣብ ጋዛ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ንምባል ጸቕጢ ገይሮምሉ። እዚ ዝመጸ ፡ ኣብ ልዕሊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ብነፈርቲ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። እዚ ቤት ትምህርቲ ከም መዕቈቢ ኰይኑ የገልግል ከም ዘሎ ይፍለጥ ።
እቲ ናይ ኣመሪካ ዝለዓለ ዲፕሎማሰኛ ፡ ሳሕቲ ብግህዶ ዝግለጽ ዘይምስስማዕ ዘርኣየ ፡ ኣብ ጎኒ መዘናታቲ ዮርዳኖሳውያንን ግብጻውያንን ኮይኑ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዘቕረበሉ'ዩ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ፡ 'ተዂሲ ደው ምባል ማለት ወተሃደራት ሓማስ ዳግም ክውደቡ ዝሕግዝ'ዩ "ዝበለ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም ፣ ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ተታሒዞም እዮም ። ብድሕር'ዚ እስራኤል ንጋዛ ብነፈርቲ ምድብዳብ ቀጺላ እያ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓማስ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ንነጀው ልዕሊ 9,488 ሰባት ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም እዮም ።
ሓይልታት ዓለምን ዞባን ፡ ነቲ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ።
ብሊንከን ምስ ሚኒስትረት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ፡ ቀጠር ፡ ኢሚራት ፡ ግብጻጽን ዮርዳኖስን ኣብ ኣማን ተራኺቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣብቲ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ "እቲ ውግእ ብህጹጽ ሕጂ ደው ከም ዝብል ክንገብር ኣሎና ።" ኢሉ።
"ነዚ ዕብዳን እዚ ደው ንምባል ፡ ብሓባር ክንሰርሕ ኣሎና ።" ክብል ድማ ወሲኹ።
ብሊንከን ፡ ኵሎም ሰላም ከም ዘድልዮምን እዚ ሕጂ ኣብ ጋዛ ዘሎ ኵነታት ክቕጽል እኳ እንተ ተረድኡ ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ደገፍታን ፍልልያት ከም ዘሎ ግን ተኣመነ ።
"ኣብዚ ሕጂ ተዂሲ ደው ምባል ማለት ሓማስ ከምዘለዎ ክቕጽል ምግባርን፡ እቲ ጉጅለ ዳግም ተወዲቡ ዳግማይ 7 ጥቅምቲ ክፍጽም ምሕዳግ እዩ።" ክብ ብሊንከን ኣብሪሁ።
ዋሽንግተን ንእስራኤል ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ ትቕጽሎ እያ ዘላ። እንተኾነ ረድኤት ናብ ጋዛ ምእንቲ ክኣቱ ግና ግዝያዊ ሰብኣዊ ዕረፍቲ ክግበር ክትጽውዕ ጀሚራ ኣላ ። ዓርቢ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ካብ ብሊንከን ንዝቐረበሉ ናይ ዕረፍቲ እማመ ደጊፉ እዩ ።
ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ዕረፍቲ ምምሕያሽ እንተጌሩ ብቐዳም ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እወ" ክብል ገሊጹ እዩ ።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ካብቶ ብጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 60 ዝዀኑ ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝጠፍኡ ፡ ዕጡቕ ክንፊፍልስጤም ሓማስ ዝገለጸ ኮይኑ ፡ ሬሳ ናይ 23 ብጅሆ ዝተታህዙ'ውን ኣብ ትሕቲ ዅምራ ፍርስራስ ከም እተቐርቀረ ገሊጹ እዩ ። ሮይተርስ ነቲ ሓሳብ ከረጋግጾ ኣይከኣለን ።
'ሓደ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብነፋሪት ተደብዲቡ'
እስራኤል ነቲ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝሃደሙ ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ኣብ ጃባልያ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ፋክበር ከም ዝወቕዐት ፡ ፍልስጤማውያን መሰኻኽር ገሊጾም እዮም ።
ሰራዊት እስራኤል ኣፈናዊ ምርመራ ብምግባር እቲ ቦታ ዒላማ ከምዘይገበረን " እቲ መጥቃዕቲ ንኻልእ ዕላማ ዝዓለመ ዝነበረ እዩ" ኢሉ ። እቲ ኵነታት "ይግምገም " ከም ዘሎ ድማ ወሲኹ ገለጸ ።
ሮይተርስ ዝዘርግሖ ምስሊ ከም ዘመልክቶ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ፡ እተሰብረ ኣቕሑን ፋሕፋሕ ኢሉ ዝነበረ ካልእ ነገራትን ፡ ኣብ መሬትን ኣብ ምግብን ዝፈሰሰ ደም ፡ ከምኡውን ሰባት ይበኽዩ ከም ዝነበሩ ዘርእይ እዩ።
ሓደ መንእሰይ ኣብታ ሮይተርስ ዝዘርግሖ ቪድዮ ፡ እናበኸየ ፡ "ሰለስተ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ፡ዝሞተ ሬሳ ሓቚፈ ኣብ ጥቓይ ድማ ካልእ ዝተቖራረጸ ሰብ እናረኣኹየ ተዓዚበዮ" በለ ። "ኣምላኽ ሕነ ክፈዲ እዩ ።"