"ኣብ ቓዛ ዝኸውን ዘሎ 'ዕብዳን' ደው ንምባል ተዅሲ ደው ይበል" ሃገራት ዓረብ፣ "እዚ ምግባር ሓማስ ዳግም ንኽውደብ ዝገብር'ዩ" ኣመሪካ

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ከም ዝተራከበ ዝገልጽ ጸብጻ ኣብ ዝወጻሉ፡ ፍልስጤማውያን ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ብነፈርቲ እስራኤል ከም ዝዓነወ ሓቢሮም ።

Jordan Israel Palestinians US

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን (የማን) ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዮርዳኖስ ኣማን ሳፋዲን ። Source: AP / Jonathan Ernst

Key Points
  • መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጋዛ ብህጹጽ ተዅሲ ደው ንኼብል ጸቕጢ ገይሮምሉ ።
  • ብሊንከን ንድሕሪት ገጹ ብምምላስ ፡ ምቁራጽ ቶኽሲ ዕጡቓት ሓማስ ዳግም ንኽውደቡ ዝሕግዝ'ዩ ኢሉ ።
  • ኣብ ጃባልያ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ፋክበር ብነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተሃርመን ብውሕዱ 15 ከም እተቐትሉን ፍልስጤማውያን መሰኻኽር ገሊጾም ።
መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ፡ ን ቀዳም ንጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፡ ኣብ ጋዛ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ንምባል ጸቕጢ ገይሮምሉ። እዚ ዝመጸ ፡ ኣብ ልዕሊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ብነፈርቲ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። እዚ ቤት ትምህርቲ ከም መዕቈቢ ኰይኑ የገልግል ከም ዘሎ ይፍለጥ ።
እቲ ናይ ኣመሪካ ዝለዓለ ዲፕሎማሰኛ ፡ ሳሕቲ ብግህዶ ዝግለጽ ዘይምስስማዕ ዘርኣየ ፡ ኣብ ጎኒ መዘናታቲ ዮርዳኖሳውያንን ግብጻውያንን ኮይኑ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዘቕረበሉ'ዩ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ፡ 'ተዂሲ ደው ምባል ማለት ወተሃደራት ሓማስ ዳግም ክውደቡ ዝሕግዝ'ዩ "ዝበለ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም ፣ ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ተታሒዞም እዮም ። ብድሕር'ዚ እስራኤል ንጋዛ ብነፈርቲ ምድብዳብ ቀጺላ እያ ። ብመሰረት እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓማስ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ንነጀው ልዕሊ 9,488 ሰባት ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም እዮም ።

ሓይልታት ዓለምን ዞባን ፡ ነቲ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ።

ብሊንከን ምስ ሚኒስትረት ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ፡ ቀጠር ፡ ኢሚራት ፡ ግብጻጽን ዮርዳኖስን ኣብ ኣማን ተራኺቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣብቲ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ "እቲ ውግእ ብህጹጽ ሕጂ ደው ከም ዝብል ክንገብር ኣሎና ።" ኢሉ።
"ነዚ ዕብዳን እዚ ደው ንምባል ፡ ብሓባር ክንሰርሕ ኣሎና ።" ክብል ድማ ወሲኹ።
ብሊንከን ፡ ኵሎም ሰላም ከም ዘድልዮምን እዚ ሕጂ ኣብ ጋዛ ዘሎ ኵነታት ክቕጽል እኳ እንተ ተረድኡ ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ደገፍታን ፍልልያት ከም ዘሎ ግን ተኣመነ ።
"ኣብዚ ሕጂ ተዂሲ ደው ምባል ማለት ሓማስ ከምዘለዎ ክቕጽል ምግባርን፡ እቲ ጉጅለ ዳግም ተወዲቡ ዳግማይ 7 ጥቅምቲ ክፍጽም ምሕዳግ እዩ።" ክብ ብሊንከን ኣብሪሁ።
    ዋሽንግተን ንእስራኤል ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ ትቕጽሎ እያ ዘላ። እንተኾነ ረድኤት ናብ ጋዛ ምእንቲ ክኣቱ ግና ግዝያዊ ሰብኣዊ ዕረፍቲ ክግበር ክትጽውዕ ጀሚራ ኣላ ። ዓርቢ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ካብ ብሊንከን ንዝቐረበሉ ናይ ዕረፍቲ እማመ ደጊፉ እዩ ።
    ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ዕረፍቲ ምምሕያሽ እንተጌሩ ብቐዳም ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እወ" ክብል ገሊጹ እዩ ።

    ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፡ ካብቶ ብጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 60 ዝዀኑ ፡ እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝጠፍኡ ፡ ዕጡቕ ክንፊፍልስጤም ሓማስ ዝገለጸ ኮይኑ ፡ ሬሳ ናይ 23 ብጅሆ ዝተታህዙ'ውን ኣብ ትሕቲ ዅምራ ፍርስራስ ከም እተቐርቀረ ገሊጹ እዩ ። ሮይተርስ ነቲ ሓሳብ ከረጋግጾ ኣይከኣለን ።

    'ሓደ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብነፋሪት ተደብዲቡ'

    እስራኤል ነቲ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝሃደሙ ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ኣብ ጃባልያ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ፋክበር ከም ዝወቕዐት ፡ ፍልስጤማውያን መሰኻኽር ገሊጾም እዮም ።
    ሰራዊት እስራኤል ኣፈናዊ ምርመራ ብምግባር እቲ ቦታ ዒላማ ከምዘይገበረን " እቲ መጥቃዕቲ ንኻልእ ዕላማ ዝዓለመ ዝነበረ እዩ" ኢሉ ። እቲ ኵነታት "ይግምገም " ከም ዘሎ ድማ ወሲኹ ገለጸ ።
    ሮይተርስ ዝዘርግሖ ምስሊ ከም ዘመልክቶ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ፡ እተሰብረ ኣቕሑን ፋሕፋሕ ኢሉ ዝነበረ ካልእ ነገራትን ፡ ኣብ መሬትን ኣብ ምግብን ዝፈሰሰ ደም ፡ ከምኡውን ሰባት ይበኽዩ ከም ዝነበሩ ዘርእይ እዩ።
    ሓደ መንእሰይ ኣብታ ሮይተርስ ዝዘርግሖ ቪድዮ ፡ እናበኸየ ፡ "ሰለስተ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ፡ዝሞተ ሬሳ ሓቚፈ ኣብ ጥቓይ ድማ ካልእ ዝተቖራረጸ ሰብ እናረኣኹየ ተዓዚበዮ" በለ ። "ኣምላኽ ሕነ ክፈዲ እዩ ።"

    Share
    Published 5 November 2023 7:20am
    Updated 6 November 2023 8:40am
    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
    Source: AAP


    Share this with family and friends