Latest

SBS Examines: ኣብ UK ናዕብታት ብሰንኪ ጽልኢ መጻእቲ ይገዱ`ለዉ። ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታታት ከመይ ኢሎም ደፋፊኦሞም፧

ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ዝወጹ መልእኽታት ነቲ ኣብ ሳውዝፖርት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ህጻናት ዝቐተለ ጥርጡር ብጌጋ መንነቱ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ኣስላማይ ኢሎም ድሕሪ ምግላጾም ኣብ መላእ ዓለም ጽልኢ ኣስላም ዘንቀዶ (ኢስላሞፎቢክ) መጥቃዕቲ ወይ ጎነጽ ከምዝብገስ ገይሮም፡ እዚ ኸኣ መርኣያ ከቢድ ሳዕቤን ምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ'ዩ።

'Enough Is Enough' Rally In Sunderland

ሕሉፍ የማናውያን ተጣበቕቲ፡ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ወይ ኦንላይን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ 'ይኣክል ማለት ይኣክል'ዩ' ኢሎም ሓደ ተቓውሞ ኣብ ሳንደርላንድ፡ ኢንግላንድ፡ ኣካይዶም። Credit: Drik/Getty Images Credit: Drik/Getty Images

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ገለ ኣንበብቲ ኣጨነቕቲ ኮይኖም ክረኽብዎም ዝኽእሉ ቴማታትን ስእልታትን ዝሓዘ'ዩ።

ኣብ ሶሻል መድያ ዝወጹ ጽሑፋት በቲ ኣብ ሳውዝፖርት ዝተፈጸመ ናይ ካራ ቅትለት ዝተጠርጠረ ሰብ ብሓሶት ሓደ ናብ'ቲ ሃገር ዝመጸ ኣስላማይ'ዩ ኢሎም ድሕሪ ምውጽኦም፡ ናዕብታት ኣንጻር መጻእቲ ኣብ መላእ ዩኬይ ዕግርግር ፈጢሮም።

ሰለስተ ኣዋልድ፡ 6፡ 7ን 9ን ዝዕድሚኤን፡ ሓምለ 29፡ ኣብ መርሲሳይድ ኣብ ትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሳውዝፖርት፡ ኣብ ሓደ ናይ ህብብቲ ኣሜሪካዊት ደራፊት ተይለር ስዊፍት ቴማ ዝነበሮ ናይ ሳዕስዒት ትምህርቲ ተቐቲለን።

ሓደ ወዲ 17 ዓመት ጥርጡር ተታሒዙ ሰለስተ ክስታት ቅትለት፡ 10 ክስታት ፈተነ ቅትለትን ሓደ ክሲ ምውናን በሊሕ ነገርን ቀሪብሉ። ብምኽንያት ንኡስ ዕድሚኡ ግን መንነቱ ተዓቂቡ ወይ ከይተገልጸ ክጸንሕ ተገይሩ።

እንተኾነ ግን ግጉይ ሓበሬታ ብዛዕባ መንነት'ቲ ጥርጡር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣብ ኦንላይን ብቕልጡፍ ክዝርግሑ ጀሚሮም፡ ስሙ ዓሊ-ኣል-ሻቓጢ'ዩ ዝብሉን ናብ ዩኬይ ኣብ 2023 ብጃልባ መጺኡ ዝብሉን።
ሰሉስ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሳውዝፖርት ንዝኽሪ ተኣኪቦም፡ እንተኾነ ግን እቲ መዓልቲ ናብ ዕራርቦ ገጹ ምስ ከደ፡ ናዕቢ ተላዒሉ።

ናይ'ቲ ከባቢ መስጊድ ማህሰይቲ ወሪድዎ፡ 53 ኣባላት ፖሊስ ኣብ'ቲ ዕግርግር ተጎዲኦም።

ካብ ሽዕኡ ኣትሒዙ፡ ጸረ-መጻእቲ ናዕብታት መላእ ሃገር ኣባጺሖም፡ ኣብ'ቲ ድሕሪኡ ዝነበሩ ቀዳመ ሰንበት ልዕሊ 370 ሰባት ተኣሲሮም።

ሓሙስ ምስ'ቲ ዕግርግር ተኣሳሲሩ እቲ ስሙ ከይጥቀስ ዝገበረ ትእዛዝ ተላዒሉ፡ እቲ ጥርጡር ከኣ ስሙ ኣክስል ሩዳኩባና ከምዝኾነ ተገሊጹ።

እቲ ጎበዝ መንእሰይ ካብ ሩዋንዳውያን ወለዲ ኣብ ካርዲፍ ተወሊዱ፡ ሃይማኖቱ ኸኣ ኣስላማይ ኣይኮነን።

እቲ ብጌጋ ዝተገልጸ መንነቱ "ሓደገኛ ዝኾኑ ድሑራት ኣረኣእያታትን ኣተሓሳባታትን" ከምዝጋውሑ ጌሩ፡ ጽልኢ እስልምናን ኣመንቲ ምስልምናን ከኣ ኣለዓዒሉ ክትብል ዋና ኣካያዲት ከምዚኦም ዓይነታት በደላት ዝምዝግብ Islamophobia Register Australia ዶክተር ኖራ ኣማት ትገልጽ።

"ከም ውጽኢት ናይ'ዚ፡ መስጊድ ሳውዝፖርትን ካልኦት መሳጊድን ተዘሪፎምን ኣባላት ማሕበረሰብ እስላም በደላትን ዘለፋታትን ወሪድዎም። ማሕበረሰብ እስላምን ካልኦት ዝተፈላለዩ ባህልታትን ፍርሒን ራዕዲን ሓዲርዎም ይርከብ።"
ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታትን፡ ምስ'ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ከኣ፡ ኣስላምን ሕጂ'ውን ደጊሞም እቲ ጸገም ኣብ ልዕሊኦም ተላጊቡን ተጸላእትን ኮይኖም።
ዶክተር ኖራ ኣማት

መን'ዩ ግጉይ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዘሎ፧

ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎም ህቡባት ሰባት ነቲ ዝተፈጥረ መቕተልቲን ሓዘንን ሓቂ ዘይኮነ ምስ ምምጻእ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ከምኡ'ውን እስልምና ብምትእስሳር ግጉይ ሓበሬታ ብመርበብ ወይ ኦንላይን እናዘርግሑ ነቲ ናዕቢ ክዓቢ ገይሮም።

ሕሉፍ-የማናዊ ጎስጓሲን ካብ መስረትቲ ኢንግሊሽ ዲፈንስ ሊግ (English Defence League (EDL)) ዝኾነን ቶሚ ሮቢንሰን እቲ መጥቃዕቲ ኻራ "እስልምና ሃይማኖት ሰላም ዘይኮነ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝኾነ ዘመስክር ዝያዳ መርትዖ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

ንሱ ንልዕሊ ዳርጋ 900,000 ኣብ መድረኽ ኤክስ ዝኽተልዎ ነቲ ናዕቢ ክጽንበርዎ ኣተባቢዕዎም።

ፖሊስ መርሲሳይድ ኣባላት ኢዲኤል ካብ'ቶም ኣብ'ዞም ናዕብታት ሳውዝፖርት ሰሉስ ዝተታሕዙ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
Protest In Southport Sparked By Rumours Of Stabbing Suspect's Identity
ናዕብታት ዝከላኸሉ ፖሊስ 30 ሓምለ፡ 2024፡ ኣብ ሳውዝፖርት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዕግርግራት ተፈጢሮም ንኣድመኛታት ይኽልክሉ። Credit: Getty Images Credit: Getty Images
ንነብሱ "ጸላኢ-ደቀንስትዮ" ኢሉ ዝጽውዕ 9.8 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣብ ኤክስ ዘለውዎ ኣንድሪው ተይት፡ እቲ ጥርጡር "ዘይሕጋዊ መጻኢ" ኮይኑ "ብጃልባ'ዩ መጺኡ" ክብል ጽሒፉ።

ካልኦት ጸረ-ወጻእተኛታትን ጸረ-እስላምን ተጠቀምቲ መድረኽ ኤክስ ግጉይ ሓበሬታ ይዝርግሑ'ለዉ፡ ነቲ ብሓሶት መንነት'ቲ ጥርጡር "ዓሊ-ኣል-ሻቓጢ" እዩ፡ "ኤምኣይ6 (ትካል ስለያ ዩኬይ) ካብ'ቶም ዝከታተሎም ዝነበረ'ዩ" ክብል ዝጸሓፈ @iamyesyouareno ብዝብል ዝፍለጥ ወሲኽካ።

"እዚ መንግስቲ እቲ ሰብ ንሕብረተሰብ ሓደገኛ ከምዝነበረ ፈሊጡ ኔሩ`ዩ፣ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን። ጽላለ`ዩ እዚ፣" ክብሉ ጽሒፎም።
ክኢላ ሚስኢንፎርሜሽኝ (ግጉይ ሓበሬታ) ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ቴክኖሎጂ ቲሞቲ ግራሃም ን SBS Examines (ኤስቢኤስ አግዛሚንስ) ከምዝሓበሮ እቲ መጥቃዕቲ ካራን ግጉይ ሓበሬታን ተሓዋዊሶም ስምዒታዊ ግብረመልሲ ካብ "ኩሎም ዓይነታት`ቶም ስነሓሳባት" ዘለዎም ሰባት ኣንቂሎም።

"እዚ ናይ ምክሳስ ግጥም ዘጋጥም፣ ሰባት ነቲ ረብሓኦም ከገልግሎም ብዝኽእል ኣገባብ ንከጠዓዕምዎ፣ ከቐምጥዎ ኣብ ዝፍትንሉ`ዩ፣" ይብል ንሱ።

ንሱ ናብ`ቲ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ካራ `ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን፣ ኢሎም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን ገለ ይሓብኡ ከይህልዉ ኢሉ ሕቶታት ዘቕረበ ፖለቲከኛ ዩኬይ ናይጀል ፋራጅ ከም ኣብነት የመልክት።

"መጠን ክብደት ናይ`ቲ ዝብልዎ ዘለዉን ኣብ ኦንላይን ከኣ ከመይ ይሽረፍ ኣሎን ኣይፈልጡን`ዮም።" ይብል ተሕጋጋዚ ፕሮፈይሰር ግራሃም።

ንሱ እዞም ኣብ መድረኻት ሓፋሽ ዝወጹ ጽሑፋት ከም "ፋጻ ተጠቒምካ ከልቢ ምልኣኽ ወይ ቾብላ ምባል" ዘገልግል "ምስጢራዊ ኮዳት ዘለዎ ቋንቋ" ከበጋግስ ወይ ከለዓዕል ይኽእል`ዩ - እዚ ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ክርድኦ ተባሂሉ ዝወጽእ ስቱር መልእኽቲ`ዩ ይብል።

"እዚ ንገለ ክብገሱ ኩሉ ነገር ኣዳልዮም ተቐሪቦም ዝጸንሑ ፍሉያት ጉጅለታት ሰባት፣ ብዛዕባ ገለ ዛዕባታትን ጉዳያትን ኣዝዮም ሻቕሎት ዘለዎም፣ ክራሰኑ ወይ ክለዓሉ ዝገብርዎም ኩሎም ዓይነት ምልክታት ይልእከሎም።"

ግጉይ ሓበሬታ ወይ ሚስኢንፎርሜሽን ኣብ`ቶም ናዕቢታት ሓደ ዓቢይ ረቛሒ ዝነበረ እንተኾነ`ኳ፣ ተሓጋጋዚ ፕሮፈይሰር ግራሃም፣ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ናብኡ ዘበርከተ ረቛሒ ይብል።

ንሱ ብተወሳኺ "እዚ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ ፍሉይ ኣብነት ናይ ሓደ ዝፍጠር ዘሎ ማዕበል ናዕቢ`ዩ፣" ኢሉ።

"ሰባት በቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ሕጉሳት ኣይኮኑን፣ ንእሽቶ ክፋል ህዝቢ ጥራይ ክቱር ዝኾነ ሃብቲ ዘለዎም ብዙሓት ግን ብክብሪ ናብራ ዝሳቐይሉ ክቱር ዝኾነ ዘይምዕሩይነት ኣሎ፣ ብተወሳኺ ልዑል ዝኾነ እምነት ምጥፋእ ኣብ ፖለቲከኛታት ኣብ ዩኬይ ኣሎ።"
Protest In Southport Sparked By Rumours Of Stabbing Suspect's Identity
ናዕብታት ዝከላኸሉ ፖሊስ 30 ሓምለ፡ 2024፡ ኣብ ሳውዝፖርት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዕግርግራት ተፈጢሮም ንኣድመኛታት ይኽልክሉ Credit: Getty Images Credit: Getty Images

ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ እስላም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኪይር ስታርመር ነቶም ናዕብታት እንተኾነኖም`ኳ ክሳብ ሕጂ ግን ጽልኢ ኣስላም ወይ 'ኢስላሞፎብያ' እዮም ኢሉ ኣይሰየሞምን ኣሎ።

ዓርቢ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ እምነታት እስልምና፣ ክርስትናን ኣይሁድን ናይ ሓባር መግለጺኦም ንምሃብ ኣብ ደገ መስጊድ ሳውዝፖርት ተኣኪቦም።
Southport incident
ኢማም መስጊድ ሳውዝፖርት እስላማዊ ማእከል ሸይኽ ኢብራሂም ሑሰይን ንናዕቢ ኣብ ልዕሊ`ቲ ማሕበረሰብ ተዛሪብሉ። Credit: James Speakman/PA Credit: James Speakman/PA
እቲ መግለጺ "እናወሰኹ ዝኸዱ መጠናት ጽልኢ እስላም ኣብ ሕብረተሰብና ከስፋሕፍሑ ክፍቀደሎም የብሎምን" ክብል ኣዊጁ።

"ነቲ ናይ ሓባር ዝኽርን ሓዘንን ናብ ምዝራእ ዘርኢታት ምክፍፋል፣ ምስፍሕፋሕ ጽልኢ እስልምናን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣብ`ዚ ኣብ ሳውዝፖርትን ክጥቀምሉ ዝመረጹ ሰባት ኣለዉ።" ክብል ኣቦወንበር ሃገራዊ ኣማኻሪ ቦርድ መሳጊድን ኢማማትን ዝኾነ ቃሪእ ኣሲም ኣንቢቡ።

“ንሕና ኣብ`ዚ ኣብ ሓዘንናን ኣብ ምኹናን ነቶም ብዘይሕፍረት ማሕበረሰባትና ከነኣእሱን ክኸፋፍሉን ዝፈተኑ በለጸኛታት ሓቢርና ሎሚ ኣብ`ዚ ደው ኢልና ኣለና።"
ሰባት መስጊድ ሊቨርፑል ካብ ስግኣት መጥቃዕታት ሕሉፋት-የማናውያን ንምክልኻል ኣድማ የካይዱ
ጸረ ዓሌትነት ሰልፈኛታት ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝርከብ መስጊድ ዓብደላ ኲልያም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ናይ ልቢ ምልክት ይገብሩ። Source: EPA / Adam Vaughan/EPA Source: EPA / Adam Vaughan/EPA
ሳዕቤናት ናይ`ዚ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ኣብ ኣውስትራልያ`ውን ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ እዚኦም ክስተታት ነውጺ ዝፈጥሩ ግሎባዊ ጽልዋ`ዩ ዘለዎም፣ ብፍላይ ከኣ ነተን ብግልጺ ዝረአ መለለዪ ክዳንን ሽፋንን ዘለወን ደቀንስትዮ ኣስላም፣" ትብል ዶክተር ኣማት።

"ከም`ዚኦም ክስተታት ናብ ዝለዓለ ፍርሒ፣ ሸቐልቀልን ተነቃፍነትን የምርሑ፣ ምኽንያቱ እዚኦም ዒላማታት ጽልኢ ሓዘል መደረታት፣ ኣድልዎታት ወይ`ውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ።"

ንሳ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣስላም ኣብ ቃልዕ ወይ ህዝባዊ ቦታ ክኾና ይፈርሓ`የን ኢላ።

"ምናልባት ከጋጥመን ስለዝኽእል ወይ ግዳያት ከይኮና ኢለን ኣብ ተጠንቀቕ`የን ዝርከባ።"
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ፍሉይ ኣብነት ናይ ሓደ ዝጥጃእ ዘሎ ፍጹም ህቦብላ`ዩ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፈይሰር ቲሞቲ ግራሃም

ዶክተር ኣማት እዚ "ከም መዘኻኸሪ ኣገዳስነት ትኽክልን ሓላፍነታውን ዝኾነ ኣብ ፖለቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ዝካየዱ ክትዓትን ዘረባታትን" ኮይኑ ከገልግል ተስፋ ትገብር።

"እቶም ኣብ ዩኬይ ንርእዮም ዘለና ጎነጻዊ ናዕብታት ኣብ ባዶሽ ዘጋጠሙ ኣይኮኑን፣" ትብል ንሳ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ መጠነ ሰፋሕትን ጎነጻዊን ሳዕቤናት ናይ ከም`ዚኦም ግጉያት ሓበሬታታት ክንምልከት ጸኒሕና።"
LISTEN TO
Experiencing Islamophobia image

ጽልዋ ጽልኢእስላም ዘበገሶም ተግባራት ኣብ ዕለታዊ ናብራ

SBS English

07:21

Share
Published 18 August 2024 8:20am
Updated 9 September 2024 6:03pm
By Rachael Knowles
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS


Share this with family and friends