ሓዲሽ ቀ/ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባን ፡ ኣውስትራልያ ምስ ሓድሽ ራእይ ብሩህ ተስፋ ናብ ሓድነት ከም ዘምጽኣ ቃል ኣትዩ።

እቲ ሓድሽ መራሒ ናይዛ ሃገር፡ ኣውስትራሊያዊያን ኣብቲ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ "ን ኣውስትራሊያዊያን ዝሓሸ መጻኢ" ከምዝህሉ ቃል ኣትዩ: እንተዀነ ግን ሕጂ እውን ድምጺ ምቑጻር ቀጺልሉ ዘሎ እዋን ዓብላሊ ዘይብሉ ፓርላማ ናይ ምህላው ተኽእሎ ኣሎ ።

Anthony Albanese celebrates with his partner Jodie Haydon and son Nathan Albanese after after winning the 2022Leader Anthony Albanese celebrates with his partner Jodie Haydon and son Nathan Albanese after after winning the 2022 Federal Election

Anthony Albanese celebrates with his partner Jodie Haydon and son Nathan Albanese after after winning the 2022 Federal Election Source: AAP / BIANCA DE MARCHI/AAPIMAGE


"ሎሚ ምሸት ህዝቢ ኣውስትራሊያ ንለውጢ መሪጹ'ሎ ።"

ሚስተር ኣልባነዝ ነታ ስንክልና ዝነበራ ጥሮተኛ ኣዲኡ ማሪን ክብሪ ሂብዋ ። እቲ ጉዕዞ ህይወቱ ፡ "ንኣውስትራልያውያን ኣብ ላዕሊ ክበጽሑ ምሳለ ክኾኖም" ከም ዝኽእል ተስፋ ገበረ ።

"ኣውስትራሊያዊያን ናብ ሓባት ክመጹ ይደሊ እየ ።

"ናይ ሓባራዊ ዕላማና ክደሊ ፡ ሓድነትና ከደልድል ፡ ፍርሒ ዘይኰነስ ፡ ብሩህ ተስፋ ከማዕብል እየ ዝደሊ ።"

ብዘይካዚ ፡ ኣብ መደርኡ "Uluru Statement from the Heart”, "ምሕላው ክሊማ" ፡ ኣፍራይነትን ደሞዝን ንምውሳኽ ፡ ምስ ሓድሕድን ንግድን ሓቢሩ ክዓዪ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ሚስተር ኣልባነዝ ድምጺ ገና ይቑጸርኳ እንተሃለወ ዓብላሊ መንግስቲ ከቕውም ይኽእል እዩ: እንተዀነ ግን ዓብላሊ ሰልፊ ዘይብሉ መንግስቲ ናይ ምቛም ተኽእሎ'ውን ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ሰልፊ ለበር 68 መናብር ዝረኸቡ ኮይኑ ፡ እቶም ሊብራልን ናሽናልን 46 ፡ ምናልባት ሰለስተ መናብር ንግሪኒስን ሽዱሽተ መናብር ብናይ ብሕቲ ተወዳደርቲ ተታሒዙ ክኸውን ይኽእል ።

እቲ መበል 30 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ዝነበረ ሚስተር ሞሪሰን ትማሊ ምሸት ምርጫ ኣብ ዝቑጸረሉ ዝነበረ እዋን ን ኣልባነስ ስለ ዓወቱ እንቋዕ ሓጐሰካ ክብሎ ብምድዋል ስዕረቱ ተኣሚኑ።

 

Outgoing Prime Minister Scott Morrison concedes defeat in the 2022 Federal Election, at the Federal Liberal Reception at The Fullerton Hotel, Sydney
Outgoing Prime Minister Scott Morrison concedes defeat in the 2022 Federal Election, at the Federal Liberal Reception at The Fullerton Hotel, Sydney Source: AAP/ DEAN LEWINS/AAPIMAGE







 


ፍሉይ ሃንደበትነት


ሰልፊ ለበር፡ ክሪስቲን ከኒሊ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ መንበር ፎውለር ከምትወዳደር ዝወሰኖ ዉሳነ : እቲ ናይቲ ሰልፊ ዉሑስ ቦታ ብናይ ዉልቂ ተወዳዳሪት ዳይ ለ ተቐጺዑ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ጎረቤት መንበር ሬድ ግን ሕጹይቲ ናይ ለበር ሳሊ ሲቱ ካብ ናይ ሊብራል ፍዮና ማርቲን ነዚ መንበር ክዕወተሉ ይኽእል እዩ ።



Sally Sitou, who will become the Labor MP for the NSW seat of Reid
Sally Sitou, who will become the Labor MP for the NSW seat of Reid Source: AAP / DEAN LEWINS/AAPIMAGE
Sally Sitou, who will become the Labor MP for the NSW seat of Reid
Sally Sitou, who will become the Labor MP for the NSW seat of Reid Source: AAP / DEAN LEWINS/AAPIMAGE

ሚስተር ሞርሶን ፡ መደረ ኣብዘስማዓሉ እዋን ፡ ኣብዚ "ፈታኒ እዋን" ዝነበረሉ ንሃገሩ ከምዝመርሐ ብምግላጽ ካብ መሪሕነት ሰልፉ ከምዘወረደ ኣፍሊጡ ።

"ከምቲ ሎሚ ሰባት ዝረኣናዮ ዓበይቲ ፓርቲታት ብዓብላሊ ድምጺ ከይተመርጹ ዝተረፍሉ ዝረኣናሉ ግዜ ኣይነበረን፡ ዋላ ኣብ ፖለቲካና ኣብነንሕድና ብዙሕ ምትዕንቓፋት ርኢና ኢና" ኢሉ ።

"ህዝቢና ኺሓዊ ኣገዳሲ ይመስለኒ" በለ ።

ብውልቂ ዝተወዳደራ ደቂ ኣንስትዮ ሕጹያት ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ሰልፊ ከም ጽላታት ልቢ ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ ቀንዲ መናብር ሰልፊ ሊብራል ኣባላት ፓርላማ ዳግማይ ንኽምረጹ ብምብዳሀን መንግስቲ ሞሪሰን ንኽምረጽ ዝነበሮ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ ።

ተሓዝ ገንዘብ ጆሽ ፍሪደንበርግ : ኣብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኮዮንግ ብናይ ውልቂ ተወዳዳሪት ሞኒክ ራያን ከምዝሰዓር ዝገበረ ሓይል ንሕንሕ ዝተራእዮ ምርጫ እዩ ኔሩ ።

ሚስተር ፍሪደንበርግ "ኣብ ኮዮዮንግ ክንዕወት ብርግጽ ኣሸጋሪ እዩ ኮይኑ።" ኢሉ

ሳይሞን በርሚንግሃም ናይ ሰልፊ ሊብራል ሰኔተር ፡ ስዕረቱ ኣብዝተኣመነሉ መደረ "ጾታ ኣብዚ ዉጽ ኢት ዓቢ ተራ ኔርዎ።" ኣብ መጻኢ ደቂ ኣንስትዮ ንምርጫ ከነቕርብ ከምዘለና ኣብዚ ምርጫ ግሉጽ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ እዩ።" ኢሉ።



Share

Published

Updated



Share this with family and friends