ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግን ሶፊ ኣሉዋቸን ድሕሪ ናይ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝምድና ቃል ኪዳን ፈጺመን።
እተን መጻምድቲ ብቐዳም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስን ላዕለዎት ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ኣብ ኣደላይድ እየን ተመርዕየን ።
ክልተ ደቀን ናይተን ዝምርዓዋ ዘለዋ ጓል 11 ኣለክሳንድራን ጓል 8 ሓናን ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት መርዓ ኣዋልድ ዕምባባ ከም ዝገበራ ተሓቢሩ ኣሎ ።
ሰኔተር ለበር ዝኾነት ሚኒስተር ዎንግ ብሰንበት ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝለጠፈቶ ጽሑፍ ፡ "ብዙሓት ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ነዛ ፍልይቲ መዓልቲ እዚኣ ምሳና ክካፈሉ ምኽኣሎም የሐጕሰና ወሰን የብሉን" ኢላ ።
ኣባል ፓርላም ሚሸል ሮውላንድ ካብቶም እንቋዕ ሓጐሰና ዝብሉ ሰባት ሓንቲ እያ ነይራ ።
"ኽልቴኽን ኣዚኽን ጽቡቓት!" ኢላተን ።
ሚኒስተር ዎንግ ብ2002 ናብ ፌደራላዊ ባይቶ ምስ ኣተወት ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነውሐ ጟል ኣንስተይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝኸኣለት እያ።

Penny Wong (right) with partner Sophie Allouache and their daughter Alexandra in Adelaide, 2011. Source: AAP, Supplied / Penny Wong