እቲ ናይ ካፒቶል ሂል ፖሊስ ኦፊሰር ኣብ እዋን ዕግርግር ካፒቶል ሂል ብዘር ኣዮ ተባዕ ስጉምቲ ከም ሞሳ ንምክትል ፕረሲደንት ፓመላ ሃሪስ ኣብ እዋን ጽምብ፡ ናብቲ ስነስርዓት ዝግበረሉ ዓጂብዋ ክኸይድ ሞጎስ ረኺቡ።
ኢዩጂን ጉድማን ኣብ ህንጻ ሰኔት ዝነበረ ናዕቢን ዕግርግርን ብዘርኣዮ ተባዕ ስጉምቲ ናይ ምክልኻልን ምምላስ ናዕበኛታትሞጎስ ረኺቡ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዙሕ ሚልዮናት ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ ምስሊ፡ ሚስተር ጉድማን ጉጅለ ናዕበኛታት ናብ ኣስካላ ከሳጉግዎ ንሱ ክከላኸልን ድሕሪ ምጽናሕ ከይ ኣትዉ ደው ኣቢልዎም ድሕሪ ምጽናሕ ካል ኦት ደገፍቲ ፖሊስ ምስረኸበ ካብቲ ህንጻ ከውጽኦም ኪኢሉዩ።

Eugene Goodman has recently been promoted. Source: AP
ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሚስተር ጉድማን ኣብ እዋንቲ ዕግርግር ህይወት ኣባላት ሰነት ብምክልኻሉ ናይ ኮንግረስ ሜዳልያ ወርቂ ክሽለም እማመ ኣቕሪቦም ኔሮም።