ኣፍሪቃ ካብ ፖልዮ ነጻ ምዃና ኣዊጃ፡ "ዓቢ ዝላ ዓወት"

ኣድሪቃ ካብ ቫይረስ ፖልዮ ነጻ ምዃና ብነጻ ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ኮሚሽን ኣፍልጦ (the independent Africa Regional Certification Commission (ARCC)ዝህብ ብሰሉስ ኣፍሊጡ።

A Somali baby receives a polio vaccine at the Medina Maternal Child Health center in Mogadishu, Somalia in 2013.

A Somali baby receives a polio vaccine at the Medina Maternal Child Health center in Mogadishu, Somalia in 2013. Source: AAP

ዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብሰሉስ ኣፍሪቃ ካብቲ ፖሊዮ ዘምጽእ ቫይረስ ነጻ ምዃና ኣዊጁ። እዚ ንብዙሕ ዓመታት ካብቲ ኣብ መላዕ ዓለም ቀታሊ ዝኾነ ቫይረስ ነጻ ንምግባር ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ መፈጸምታ ተረኽበሉ መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ። 

"ሎሚ ን ኣፍሪቃ ታሪኻዊ መዓልቲ'ዩ," ብምባል ፕሮፌሶር ሮስ ጋና ፎምባን ለከ ገሊጻ። ንሳ ነቲ ብዛዕባ ምጥፋእ ፖሊዮ ኣፍልጦ ዝህብ ኮሚሽን ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ዝመርሐትያ።

ቫይረስ ፖሊዮ ኣብቲ  በዓል smallpox ዘለዉዎ ዝርዝር ኣትዩ ካብ ኣፍሪቃ ተሓግሒጉ ተጸሪጉ ኣሎ ክብል ዉድብ ጥዕና ዓለም መግለጺ ኣውጺኡ።
ካብ 1996, ኣትሒዙ ነዚ ቫይረ ንምጥፋእ ዝተገብረ ጻዕሪ  "ክሳብ 1.8 ሚልዮን ቆልዑ ካብ ስንክልናን ብግምት ናይ 180,000 ህይወት ክድሕን ኪኢሉ እዩ," ክብል እቲ ናይ ዉሕሃ ወኪል ጥዕና ገሊጹ።

Poliomyelitis -ናይ ፖልዮ ሕክምናዊ መጸውዒ ኮይኑ ቅልጡፍ ተላባዒ ቫይረስ ኮይኑ ንመትኒ ( spinal cord) ኣጥቂዑ ኣብ ቆልዑ ዘይሃዊ መልመስቲ ዘውርድ እዩ።

ኣብ 1950 ክታበት ክሳብ ዝርከብ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ ኔሩዩ፡ እዚ ክታበት ግና ንድኻታት ሃገራት ኤሽያን ኣፍሪቃን ኣይተባጸሐን ኔሩ።

ኣብ1988, ዉድብ ጥዕና ዓለምን ናይ ዉሕሃ ጉዳይ ቆልዑን (WHO, UNICEF) ከም ኡውን ሮታሪ እቲ ሕማም ካብ መላእ ዓለም ክጠፍእ ወፍሪ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ኣብቲ እዋን  ኣብ ምሉእ ዓለም 350,000 ናይዚ ቫይረስ ተለከፍቲ ዝነበሩ ኣብ 1996, ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ tልዕሊ 70,000 ኔሮም።
በቲ ን 30 ዓመታት ዝተገብረ ዓለምዊ ጻዕሪን ብዝወፈረ ናይ $19 ቢልዮን ዶላርን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ብድምር 87 ጥራይ መልከፍቲ ተመዝጊቡ።

Jihadist attacks

ቫይረስ ፖሊዮ ካብቲ ዝተለኽፈ ሰብ ብመልክዕ ቀልቀል ዝወጽእ ኮይኑ ብዝተበከለ መግቢን ማይን ተወሲዱ ድማ ናብ ካልኦት ሰባት ይላባዕ።

ንሰባት ክታበት ከምዝረኽቡ ብምግባር ነቲ ሰንሰለት ምርባሕ ብምብታኽ ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ደገ እቲ ቫይረስ ይጠፍእ።

እቲ መወዳእታ መልከፍቲ ፖልዮ ዝተራእየ ኣብ 2016 ኣብ ናይጀሪያ ኮይኑ፡ እቲ ክታበት ናይ ፖሊዮ ከይወሃብ ዓቃባዊያን እስላም እቲ ክታበት ን ኣስላም ንምምካን ዝወሃብ ዘሎ ኢሎም ስለተቓወምዎ እዩ።

ኣብቲ ነቲ ክታበት ክወሃብ ዝተገብረ ወፍሪ 20 ሰራሕተኛታት ተቐቲሎም።

"እዚ ን ኣፍሪቃ ዓቢ ዓወትይ። ካብ ሕጂ ንመጻኢ ቆልዑ ኣፍሪቃ ካብ ፖልዮ ወጻኢ ዓለም ክነብሩ ክጅምሩ እዮም,"  ብምባል  Matshidiso Moeti, ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ዳይረክተር ናይ ኣፍሪቃ ገሊጹ።
A file photo of health officials administering polio vaccine to children at a camp for people displaced by Islamist extremists in Maiduguri, Nigeria.
A file photo of health officials administering polio vaccine to children at a camp for people displaced by Islamist extremists in Maiduguri, Nigeria. Source: AAP
እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብዛዕባ ጉዳያት ጥዕና ብሚኒስተራት ደረጃ ኣብዝተገብረ ኮንፈረንስ ኮይኑ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ን 25 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ለበዳ ሚስልስ ን 7,000 ቆልዑ ድሕሪ ምቕታሉ እቲ ለበዳ ከምዝተወገደ ኣብዝግለጸሉ እዋንዩ ተሳንዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ቶጎ  ካብ ሓሳኹ ዝፍጠር ሕማም ድቃስ ዝኾነ ሰብኣዊ ተመሓላላፊ ሕማም (African trypanosomiasis) ካብ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ሃገር ዘወገደት ምዃናውን ገሊጻ ኣላ።

እቲ ናይ ቀጻሊ ስጉምቲ፡ ኣፍሪቃ ካብ ኣፍጋኒስታን ወይ ፓኪስታን ክማጽእ ካብዝኽእል ቫይረስ ምሕላውን ማሕበረሰብ ድሕነቶም ንምሕላው ብቐጻሊ ቆልዑ ምኽታብንዩ።

 


Share
Published 26 August 2020 10:20am
Updated 26 August 2020 10:27am


Share this with family and friends