ኣፍጋኒስታናዊት ናብ ብሪጣንያ ክትወጽእ ከላ ኣብ ነፋሪት ትወልድ

ናብ ብሪጣንያ ክትግዕዝ ብ ነፋሪት ትጓዓዝ ዝነበረት ሓንቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን እትነብር ሰበይቲ ፡ ብደገፍ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት፡ ኣብ 28 ነሓሰ ሓንቲ ህጻን ወለደት ። ጓል 26 ዓመት ሶማን ኖኦሪ ፡ ካብ ዱባይ ናብ በርሚንግሃም ኣብ እትበርር ዝነበረት መገዲ ኣየር ቱርኪ ፡ ምጭብባጥ ኣጋጢምዋ ነይሩ እዩ ፣ እታ ነፋሪት ኣብ ክሊ ኣየር ኩወይት 10,000 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ ቦታ ክትበርር ከላ ድማ እያ ወሊዳ ። ኑሪን ውላዳን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ዝነበሩ ኮይኖም፡ ነታ ሕጻን ሃቫ ዝብል ስም ሂቦማ፡ ብቛንቋ ዳሪ "ሃቫ" ማለት "ሄዋን" ን "ኣየር" ን ማለት እዩ ።

News

Source: Reuters


Share

Published

Source: Reuters


Share this with family and friends