ንሓገዝ ኣገልግሎት ጥዕና ዝውዕል ብእግሩ ተጓዒዙ $39 ሚልዮን ዝኣከበ ወዲ 99 ዓመት ናይ ኲናት ሓርበኛ "ምሉእ በዓል ዝና" ተባሂሉ።

ወዲ 99 ዓመት ሓርበኛ ኲናት ኣብከባቢ ገዛኡ ጉዕዞ ብምግባር ዘዋህለሎ 20 ሚልዮን ፓውንድ ናይ ብሪጣንያ ኣገልግሎት ጥዕና ንኮሮና ቫይረስ ንምቅላስ ክሕግዞ ወፍዩ።

Captain Tom Moore is turning 100 after walking 100 laps of his garden to raise money for frontline health workers.

Captain Tom Moore is turning 100 after walking 100 laps of his garden to raise money for frontline health workers. Source: AAP

እቲ ወድ 99 ዓመት ናይ ብሪጣንያ ሓርበኛ ኲናት ብዝገበሮ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዘዋህለሎ 20 ሚልዮን ፓውንድ  ($A39 ሚልዮን) ን ኣገልግሎት ጥዕና ምስወፈዮ ንግስቲ ኤልዛቤጥ "ምሉእ በዓል ዝና" ክትብል ሞጊሳቶ።

ናይ ውትህድርና ጥሮተኛ ቶም ሙር ኣብዚ ብሪጣንያ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን 100 ዙርያ ብምዛር ገንዘብ ኣኪቡ ከም ምልክት ጽንዓት ብሪጣንያዊያን ይሕሰብ ኣሎ።

ሙር ምሕኲልቱ ድሕሪ ምስባሩ ብ መኽየዲ ዓረብያ ተጠቒሙ ኣብ 30 ሚያዚያ ሓደ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ምምላኡ 1000 ፓውንድ ክእክብዩ መዲቡ ነቲ ስራሕ ጀሚርዎ።
99-year-old British veteran Captain Tom Moore (2-L) with grandson Benji (L), daughter Hannah Ingram-Moore (2-R) and granddaughter Georgia (R).
99-year-old British veteran Captain Tom Moore (2-L) with grandson Benji (L), daughter Hannah Ingram-Moore (2-R) and granddaughter Georgia (R). Source: AAP
እንተኾነ ጽንዓቱን እወታዊ ኣረኣእያኡን ኣብ መላእ ብሪጣንያን መላእ ዓለምን ዝርከብ ህዝቢ ኣቓልቦ ስሒቡስ ኣብዚ ጸልማት ናይ ኮሮና ቫይረስ እዋን ተሳፋ ዝህብ መልእኽቲ ኮይኑ ኣሎ።

"ብዛዕባ ናይዚ ወዲ 99 ዓመት ሓርበኛ ኲናት ካልእ ዝመሰጠኒ ነገር ኣብዚ ዓለም ንነዊሕ እዋን ነቢሩ እዩ፡ ኩሉ ነገር ዝፈልጥዩ፡  በቲ ናቱ ዛንታን ተወፋይነትን ኩሉ ተበራቢሩ ኣሎ" ክብል ፕሪንስ ዊሊያምስ ገሊጹ።

ሙር ከምዝገለጾ እዚ ናይ ጸልማት እዋን ክሓልፍ እዩ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ  "ጸሓይ ዳግም ኣብ ልዕሌኹም ክትበርቕያ እቲ ደበናታት ድማ ክቕንጠጥ እዩ።"
A undated handout photo made available by Maytrix Group shows British Army Captain Tom Moore in uniform.
A undated handout photo made available by Maytrix Group shows British Army Captain Tom Moore in uniform. Source: EPA
በዚ ሙር ተፈሊጥዎ ዘሎ በቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝወሃብ ናይ ክብሪ "ኒይት- knighted) ብንግስቲ ኤልዛቤጥ ክወሃብ ብዙሓት ይጠልቡ ኣለዉ።

ብዛዕባዚ ብወግዒ ኣፍልጦ እነተዋህቦ እንታይ ከምዝብል ተሓቲቱ ሙር "ኣዚዩ ዘስሕቕዩ" ብምባል፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ሰር ቶማስ ሙር ከተሓሕዝ ተራእይዎ።

"ሰር ቶማስ ሙር፡ ክትሰምዖ ደስ ዘብል እዩ," ብምባል ተዋዝዩ።.

ሙር ከምዝገልጾ እዚ ዝገበሮ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምሕኩልቱ ኣብዝተሰብረሉን ካንሰር ሓሚሙ ኣብዝነበረሉ ብዝረኸቦ ክንክን ጥዕና ተመሲጡ ከምዝገበሮ ገሊጹ ኣሎ።

በቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ዝተመሰጠ ሙር " ብዙሕ ገንዘብ እዩ፡ ሰባት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክሳብ ክንድዚ ምሃቦም ናይሰባት ሓልዮት ዘገርምዩ።" ኢሉ።

 


Share
Published 18 April 2020 11:57am


Share this with family and friends