ሳላ ኢንተርነት፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዓለም ተራኺባትሉ ኣብዘላ እዋን፡ ደቂ ሰባት ካብ ምቹእ ገዛኦም ኮይኖም ብቐሊሉ ናይ መዘናግዒ፡ ሓበሬታ፡ ትምህርቲ፡ ዕዳጋን ዳርጋ ዝኾነ ይኹን ክረኽቡ ኣይጽገሙን ኮይኖም ኣለዉ።

Siv lub CyberParent app los pov puag kom koj tej me nyuam tau txais kev nyab xeeb thaum siv online Source: Getty Images
ደቅኹም ካብ ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓልውዎም
ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ብ ኦንላይን ትምህርቲ ኣብዝህባሉን፡ ተመሃሮ ካብ ገዛኦም ኣብዝመሃርሉ ዘለዉ እዋን፡ ቆልዑ ናብ ብ ኢንተርነት ካብዝመጽእ ሓደጋ ንኽሕለዉ ወለዲ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ብፍላይ ድማ ብሳይበር ዝመጽእ ምውራድ (cyberbullying) ብሕሉፋት ጉጅለታት ክምልመሉ ከምዝኽእሉ ምፍላጥ፡ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ገዛውቲ ጥዑይ ኣጠቓቕማ ኦንተርነት ንኽህሉ ንምሕጋዝ The Australian Multicultural Foundation (AMF )ሓደ ናይ ኢንተርነት 'ኣፕ' ኣማዕቢሉ ኣሎ። እቲ 'ኣፕ' ዝበሃል ኮይኑ ቋንቋታት ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ቻይኒዝ፡ ሂንዲ፡ ተርኪሽን ቬትናሚስን ዝርከቡዎ ብ17 ቋንቋታት ዝሰርሕ ድሉው ጌሩ ኣሎ።
ናይ AMF ዋና ዳይረክተር Hass Dellal ከምዝብሎ እቲ 'ኣፕ' ወለዲ ደቆም ኣብ ኦንላይንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ ንምክትታል ትምህርቲ ይህቦም።
CyberParent ንወለዲ ደቆም ካብ ናይ ኢንተርነት ሓደጋ ንኽሕለዉ ዝሕግዝ እዩ።
ምስ 50 ኣባላት ማሕበረሰብን ትካላትን ብምምኻር ዝማዕበለ እቲ ኣፕ፡ ኢሂን ምሂን እናተባሃልካ ትመሃረሉን ዉሑስ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ግብራዊ ኣጠቓቕማ መገዲ ዝሕብር እዩ።
ዘረፋ ኣብ ኦንላይን
ቆልዑ ኢንተርነት ክጥቀሙከለዉ ዘጋጥም ሓደጋ ጎኒ ንጎኒ ወለዲውን ምስ መርበብ ሓበሬታ (world wide web.) ዝተሓሓዝ መሳርሒ ኣብዝጥቀምሉ እዋንጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ።
መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2020 ኣውስትራሊያዊያን ብሰንኪ ኣብ ኦንላይን ዝግበር ዘረፋ ልዕሊ $36 ሚልዮን ሲኢኖም። እቲ ዝበዝሐ በዚ መገዲ ዝስረቕ ገንዘብ፡ ናይ ሓሶት ቢል፡ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ከምኡውን ናይ መንነት ምጥፍፋእንዮም።
ብእምነት ናይ ሳይበር ሰኲሪቲ ሃብ (Cyber Security Hub) ዳይረክተር ስግኣት ጸጥታ Stas Filshtinskiy ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ምጥፍፋእ ነቲ ናትካ ልሙድ ኣተሓሳስባ ብምጥቃምዩ ዝግበር።
ከምቲ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ዘሎ፡ ገለ ክእመን ዘይከኣል ኣዚዩ ጽቡቕ ነገር እንተኾይኑ፡ እዚ ንኽሰርቀካ ዝመጸ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።
ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ዝኾነ ኣብ ኦንላይን ዝቐርብ ማራኺ መሸጣ ብጥዑይ ጥርጣረ ክጥመት ይግባእ።
ብ ኦንላይን ትገብሮ ክፍሊት ብ ኣተኩሮ ምክትታል
መዓልታዊ ሚሊዮናት ናይ ክረዲት ካርድ ክፍሊት ይፍጸም።
መርበብ ምኽፋል ኣውስትራሊያ (APN) ኣብዚ ቕሩብ እዋን ዘውጽኦ ሪፖርት ከምዝሕብሮ፡ ብሓፈሻ መጠን ናይ ካርድ ስርቂ ጎዲሉ እንተሎኳ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ብናይ ዝተሰርቀ ካርድ ተጠቒምካ ነቲ ሓበሬታ ረኺብካ ዝግበር ስርቂ 86 ሚእታዊ ብካርድ ሕሳባት ባንክ ዝግበር ስርቂ እዩ።
ናይ APN ዋና ሓላፊ ኣንዲ ዋይት ከምዝገልጾ፡ ምጥፍፋእ ካርድ ንምውጋድ ነቶም ኣብ ኦንላይን ዝዕድጉ ሓዊስካ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ንኹላቶም ዘሳትፍ ስራሕ እዩ።
ናይ ካርድኹም ትሕዝቶ ን እሙን መርበብ ጥራይ ሃቡ።
ብ ኢንተርነት ዝግበር ስርቂ እናበዝሐን እናተራቐቐን ይኸይድ ስለዘሎ ዘይፍሉጣት ኢመይላት፡ ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ዝለኣኹ መልእኽቲታት፡ ብጥርጣረ ክጥመቱ ከምዘለዎም ኣንዲ ዋይት ይመክር። ኣብቲ መላግቦ ዝመጽእ ፋይል ዘይምጥዋቕን ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ፓስዎርድ ድማ ንኻልእ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ።

The COVID-19 crisis has seen a rise in internet users and digital connectivity. Source: Getty Images

The COVID-19 crisis has seen a rise in internet users and digital connectivity. Source: Getty Images
ኮምፑዩተርካ ዉሑስ ምግባር
ካብ እሙን ኣቕራቢ ናይ ኪኢላ ሓገዝ ብምሕታት እቲ ናትካ ሰርቨር ዉሑስ ከምዝኸውን ምርግጋጽ። እቲ ናይ ኣድሚኒስትረተር ፓስወርድ ፍኑው ከይከውንን ምርግጋጽን፡ ነቲ ናትካ ሰርቨር 'ሃርድዌር ፋየርዋል' ክትገብረሉ ኣለካ።
ብስሩዕ ነቲ ኣብ ሰርቨር ዘሎ ሓበሬታታት ኣብ ተወሳኺ መቐመጢ ምዕቃብ፡ እቲ ዝተዓቀበ ሓበሬታ ዉሑስ ምግባርን ንዝምልከቶም ጥራይ ከምዝርእይዎ ምግባር።
እቲ ትጥቀመሉ ሶፍትዌርን መከላኸሊ ቫይረስን እዋናዊ ክኸውን ኣአዎ።
ድሕነት ናይ ኢንተርነት ርክብ ሓሉ
ርክብ ኢንተርነት ኮምፒዩተርካ ምስ ናይወጻኢ ዓለም ዘራኽብ መስመር እዩ። እቲ መስመር ብግቡእ ሕሉው እንተዘይኮይኑ፡ ገለሰብ ናብቲ መስመር ኣትዩ ሃበሬታ ክወስድ ወይ ነቲ ናትካ መስመር ጠሊፉ ብኮምፕዩተርካ ኣቢሉ ንናይ ገዛእ ርእሱ መዓላ ከውዕሎ ይኽእል እዩ።
ነቲ ሓለዋ ንምጥንኻር ገለ ገለ ስጉምቲታት ከም እቲ ናይ ኣድሚን ፓስወርድ ምቕያርን ብሩሕቕ ምምሕዳር remote management) ከምዘቋርጽ ምግባር ይሕግዝ እዩ።
ፓስወርድኻ ካልኦት ክርእይዎ የብሎምን
ድልዱል ፓስወርድ ፈጢርካ ካል ኦት ከምዘይርእይዎ ምርግጋጽ።
ልዕሊ 8 ነገራት ዝሓዘ ዘይፍለጥ ዝተሓዋወሰ ቑጽሪ፡ ፊደላት ን ምልክታትን ምጥቃም ተመራጺ እዩ።

Source: Getty Images
ካብዘይፍለጥ መርበብ ፋይላት ዳውንሎድ ዘይምግባር
ዝጥርጠሩ መልእኽታት፡ ሃንደበት ዝኽሰቱ ዊንዶው ወይ ኢመይላት ዘይምኽፋት፡ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ክትድምስሶም ወይ ደሊት ክትብሎም ኣለካ።
ድሕነት ሞባይል ተለፎንካ ሓሉ
ሞባይልካ ወትሩ ካባኻ ኣይትፍለ።
ሞባይልካ ሕሉው እንተዘይኮይኑ ከምኡውን እንተጠፊኡ ወይ እንተተሰሪቑ፡ ኣብቲ ሞባይል ዘሎ ሓበሬታ ብምጥቃም ገንዘብካ ንምርካብን መንነትካ ንምስራቕን ቀሊል እዩ።
ናይ ዉልቂኻ ሓበሬታን ምስጢርካን ዓቅብ
ናይ ዉልቂኻ ሓበሬታ ልክዕ ንገንዘብካ ትጥንቀቐሉን ትሕልዎን ጌርካ ሓዞ። ካል ኦት ንኽወስድዎ ፈቐዶኡ ኣይትግደፎ።

Source: Getty Images
ብዙሕ ግዜ ሰባት ካብ ትካላት ፋይናንስ ሕማቕ ታሪኽ ናይ ልቓሕ ከምዘለዎም ዝገልጽሎም ኣብ ህይወቶም ሕማቕ ነገር ኣጋጢምዎም ከምዝነበረ ኣይፈልጥዎን እዮም።
ሓገዝ ብኸመይ ትረክብ?
"The Australian Competition and Consumer Commission (ACCC) " ጽቡቕ ናይ ሓገዝ መበገሲ እዩ።
እዚ ትካል ኣብቶም ቀንዲ ዓይነታት ስርቂ እዋናዊ ሓበሬታ ዝህብ እዩ፡ ብዛዕባዚኣቶም ሓበሬታ ብምእካብ ብወግዒ የሕትም።
ስካም ወይ ካብ ምጥፍፋእ ንምድሓን ኣብ ብምእታው ACCC ዝ ኣከቦም ሓበሬታታት ር ኢኻ ብምርዳእ፡ ብምፍላጥን ነቲ ሓደጋ ክትከላኸል ይሕግዘካዩ።
ገለ ካብ ናይ ዉልቂ ሓበሬታኻ ተሰሪቑ ኣሎ ኢልካ ትሓስብ እንተኾይንካ በዚ ቑጽሪ ብምድዋል 1300 363 992.ሓገዝ ክርከብ ይከኣል እዩ።